39 ሙሴ እዝ ነገራት እዙይ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ምስ ተዛረቦም እቶም ህዝቢ ብዙሕ ሓዘኑ።
እቶም ህዝቢ ድማ እዝ ኽፉእ ነገር እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ክጕህዩ ጀመሩ፤ ካብኣቶም ከዓ ሓደ እኳ ገይፂ ዝገበረ ኣይነበረን።
ሰብ ብስንፍናኡ መንገዱ የቐይንን፤ ልቡ ኸዓ ኣብ እግዚኣብሄር የንፀርፅር።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ብእዋን መከራኦም ደለዩኻ፤ ምስ ቀፃዕኻዮም ልመናኦም ናባኻ ኣፍሰሱ።
እምበኣር ንገሮም፦ ‘ኣነ ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ከምቲ ኣብ እዝነይ ዝተዛረብኩምዎ፥ ከምኡ ኽገብረኩም እየ’ ይብል እግዚኣብሄር።
ካብቶም ምድሪ ኽስልሉ ኸይዶም ዝነበሩ ሰባት ግና፥ ኢያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ ዮፎኒን ብህይወት ተረፉ።
ደቂ መንግስቲ ግና፥ ናብቲ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ፀልማት ክድርበዩ እዮም፤ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ” በሎም።
ኤሳው ፀኒሑ ነታ በረኸት ክወርስ እኳ እንተ ደለያ፥ ኣይተውሃቦን፤ ብንብዓትውን እንተ ደለያ፥ ንንስሃ ዝኸውን ጊዜ ኸም ዘይረኸበ ትፈልጡ ኢኹም።
ስለዙይ ደቂ እስራኤል በዲሎም እዮም እሞ፥ ዝባኖም ናብ ገፅ ፀላእቶም ይመልሱ እምበር፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም ክቖሙ ኣይኽእሉን እዮም። ነቲ ዝተሓረመ ካብ ማእኸልኩም እንተ ዘየጥፊእኹምዎ፥ ኣነ ድሕሪ ደጊም ምሳኻትኩም ኣይኸውንን እየ።