36 እቶም ምድሪ ኽስልሉ ሙሴ ዝሰደዶም ሰባት ተመሊሶም ድማ ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ብምውራዮም፥ ንዅሉ እቲ ማሕበር ኣብ ልዕሊ ሙሴ ኸም ዘጕረምርም ዝገበርዎ፥
እቶም ህዝቢ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሎም ተጓየቝዎ፦ “ኣሕዋትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሞቱ እንተለዉ ሞይትና እንተንኸውን መን ምሃበና!