26 እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦
ኣብቲ ለሰ ድማ ኣማሌቃውያንን ከነዓናውያንን ይነብሩ ስለ ዘለዉ ፅባሕ ተመሊስኩም ብመንገዲ ባሕሪ ኤርትራ ኣቢልኩም ናብ ምድረ በዳ ተጕዓዙ።”
“ክሳዕ መኣዝ እዩ እዝ ሕሱም ህዝቢ እዙይ ዘጕረምርመለይ? እቲ እዞም መጕረምረምቲ ደቂ እስራኤል ዘዕዘምዝምዎ ዘለዉ ሰሚዐዮ ኣለኹ።
እግዚኣብሄር ብዛዕባኣቶም “ርግፅ ኣብ ምድረ በዳ ኽሞቱ እዮም” ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ካብኣቶም፥ ብዘይ ካሌብ ወዲ ዮፎኒን ኢያሱ ወዲ ነዌን፥ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።