22 ኵሎም እቶም ክብረይን ኣብ ግብፅን ኣብ ምድረ በዳን ዝገበርክዎ ተኣምራተይን ዝረአዩ ሰባት፥ ድሮ እኳ ዓሰርተ ሻዕ ስለ ዝፈተኑኒ ቓለይ ከዓ ስለ ዘይሰምዑ፥
ከምዙይ ኢለ እየ ዕስራ ዓመት ኣብ ገዛኻ ዝነበርኩ። ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ምእንቲ ኽልቲአን ኣጓላትካ፥ ሽዱሽተ ዓመት ድማ ምእንቲ ኣባጊዕኻ ኣገልገልኩኻ፤ ምስዙይ ከዓ ዓስበይ ዓሰርተ ሻዕ ለዋወጥካ።
ኣቦኻትክን ግና ዓስበይ ዓሰርተ ሻዕ እናለዋወጠ ሸፈጠኒ፤ ዝኾነ ኾይኑ እግዚኣብሄር ክፉእ ክገብረኒ ኣይፈቐደሉን።
እንሆ፥ ዓሰርተ ሻዕ ፀረፍኩምኒ፤ እትገፍዑንስ እምበርዶ ኣይትሓፍሩን ኢኹም?
ኣብ ምድረ በዳ ብዙሕ ተመነዩ፤ ኣብ በረኻውን ንእግዚኣብሄር ተፈታተንዎ።
ኣብ ምድረ በዳ ኽድርብዮም፥ ንዘርኦምውን ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክድርቢ፥ ናብ ዝተፈላለየ ሃገር ፋሕ ከብሎም፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ኢዱ ኣልዓለ።
መሊሶም ንእግዚኣብሄር ፈተንዎ፤ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣሕዘንዎ።
ንሙሴ ድማ “ናብዝ ምድረ በዳ ኽንመውት ዘውፃእኻናስ፥ ኣብ ግብፂዶ መቓብር ኣይነበረን እዩ? ኻብ ግብፂ ኣውፂእኻ እንታይ ከም ዝገበርካና ረአ፤
እቶም ህዝቢ ኸዓ ንሙሴ “እንታይ ክንሰቲ ኢና?” ኢሎም ኣጕረምረሙሉ።
ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ድማ ኣብቲ ምድረ በዳ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ።
እቶም ህዝቢ ድማ “እንሰትዮ ማይ ሃበና” ኢሎም ምስ ሙሴ ተጓየቑ። ሙሴ ኸዓ “ስለ ምንታይ ምሳይ ትበኣሱ? ስለ ምንታይከ ንእግዚኣብሄር እትፈታተንዎ?” በሎም።
እቶም ህዝቢ ድማ ኣብኡ ማይ ፀሚኦም፥ “ስለ ምንታይ ኢኻ ንሕናን ደቅናን እንስሳናን ብፅምኢ ኽንመውት ካብ ግብፂ ዘውፃእኻና?” ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴ ኣጕረምረሙ።
ደቂ እስራኤል ንሙሴ ስለ ዝተጓየቑዎን “እግዚኣብሄር ምሳና ኣሎዶ የለን?” ኢሎምውን ንእግዚኣብሄር ስለ ዝተፈታተንዎን፥ እታ ቦታ ማሳን መሪባን ኢሉ ሰመያ።
እቶም ህዝቢ፥ ሙሴ ኻብ እምባ እንተይወረደ ኸም ዝደንጐየ ምስ ረአዩ፥ ተኣኪቦም ናብ ኣሮን ከዱ እሞ “ነዝ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአና ሙሴ፥ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ ተስእ፤ ቀቅድሜና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ኸዓ ግበረልና” በልዎ።
ንሳቶምውን “ኣብ ቅድሚ ፈርዖንን ሹመኛታቱን ጨናና ኣኽፋእኹም፤ ክቐትሉናውን ሰይፊ ናብ ኢዶም ኣዕቲርኩምዎም ኢኹምሞ እግዚኣብሄር ይርአኹም፤ ንሱውን ይፍረድኩም” በልዎም።
ብዙሕ ነገር ረአኹም፤ ግና ኣየስተውዓልኩምን፤ ኣእዛንኩም ክፉታት እየን፤ ግና ሓደ እኳ ኣይትሰምዑን።”
እቲ ንጉስ ብዝጠየቖም፥ ብዝኾነ ናይ ጥበብን ምስትውዓልን ጉዳይ፥ ካብቶም ኣብ ኵሉ ግዝኣቱ ዝነበሩ ተርጐምቲ ሕልምን ኣስማተኛታትን፥ ዓሰርተ ኢድ በሊፆም ረኸቦም።
ሕዚ እውን ነቶም ትዕቢተኛታት፥ ቡሩኻት እዮም ንብሎም ኣለና፤ እቶም ገበርቲ ኽፉእ ፀኒዖም ኣለዉ፤ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈታተንዎ ኸዓ የምልጡ ኣለዉ” ትብሉ ኣለኹም።
እቶም ህዝቢ ክፉኣት ኮይኖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣጕረምረሙ። እግዚኣብሄር ሰሚዑ ድማ ተቘጥዐ፤ ሓዊ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸሎም ነደደ፤ ነቲ ወሰን ሰፈር ድማ በልዐ።
እቲ ኣብ መንጎኣቶም ዝነበረ ዝተፈላለየ ህዝቢ ህርፋን ሓዞ፤ ደቂ እስራኤልውን ይበኽዩ ነበሩ፤ “እንበልዖ ስጋ መን ምሃበና? በሉ።
ሙሴ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣእትዩ ነበረሞ፥ ማርያምን ኣሮንን፥ ብዛዕባ እታ ዘእተዋ ኢትዮጲያዊት ሰበይቲ፥ ኣብ ልዕሊኡ ተዛረቡ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “እዝ ህዝቢ እዙይ ክሳዕ መኣዝ እዩ ዝንዕቐኒ? ክሳዕ መኣዝከ እዮም በቲ ዅሉ ኣብ ማእኸሎም ዝገበርክዎ ምልክታት ዘየኣምኑኒ?
ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ከምዙይ እናበሉ ኣጕረምረሙ፦ “ኣብ ግብፂ ወይ ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ሞይትና እንተንኸውን መን ምሃበና?
ኢየሱስ ድማ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ’ ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ” በሎ።
እንተ ኾነ፥ ብመብዛሕቶም እግዚኣብሄር ኣይተሓጐሰን። ስለዙይ ኣብ ምድረ በዳ ሞይቶም ተሪፎም እዮምሞ።
ከምቲ ገሊኣቶም ንጐይታ ዝተፈታተንዎ እሞ ብኣትማን ዝጠፍኡ፥ ንጐይታ ኣይንፈታተን።
“እምበኣር ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ምድረ በዳ ኸመይ ከም ዘቘጣዕኹምዎ ኣይትረስዑ። ካብታ ኻብ ሃገር ግብፂ ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ጀሚርኩም፥ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽሳዕ እትበፅሑ፥ ንእግዚኣብሄር ከም ዝዓመፅኩም ዘክሩ።
ኣብኡ ኣቦታትኩም ተሃላለኹንን ተፈታተኑንን፤ ነርብዓ ዓመት ከዓ ግብረይ ረአዩ።