21 ግና፥ ኣነ ብሓቂ ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ኵላ ምድሪ ኸዓ ብኽብረይ ከም ዝመልአት፥
ነእጋረይ መፃወድያ ዘርግሑ፤ ንነፍሰይውን ኣጕበጥዋ፤ ኣብ ቅድሚተይ ጕድጓድ ኰዓቱ፤ ግና ባዕልቶም ኣብኡ ወደቑ።
ስም ምስጋናኡውን ንዘለኣለመ ኣለም ይባረኽ፤ ኵላ ምድሪ እውን ብኽብሩ ትምላእ። ኣሜን! ኣሜን!
ግና ሓይለይ ምእንቲ ኸርእየካ፥ ስመይውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ምእንቲ ኽንገር ኣልዒለካ ኣለኹ።
ዓይንኺ ቘላሕ ኣቢልኪ ዙርያኺ ጠምቲ፤ ኵሎም ተኣኻኺቦም ናባኺ ኽመፁ እዮም። ኣነ ህያው እየሞ፥ ንዅላቶም ከም ሽልማት ክትክደንዮም፥ ከም መርዓት ከዓ ኽትውንዘፍዮም ኢኺ” ይብል እግዚኣብሄር።
ሓደ ንሓደ ኸዓ ብዓብዪ ድምፂ፥ “ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኵላ ምድሪ ኸዓ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ” ይብሉ ነበሩ።
“ኣነ ህያው እየሞ፥ ኣታ ኢኮንያን ወዲ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ፥ ማሕተም ቀለበት የማናይ ኢደይ እኳ እንተ እትኸውን፥ ኣውፂአ ኽድርብየካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
“ኣነ ህያው እየ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ እዝ ምስላ እዙይ ድሕሪዙይ ኣብ እስራኤል ኣይትምስልዎን ኢኹም።
ከምቲ ምስ ኣቦታትኩም ኣብ ምድረ በዳ ግብፂ እተፋረድኩ፥ ከምኡ ድማ ምሳኻትኩም ክፋረድ እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ኣነ ህያው እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ እሞ፥ ብህይወት ክነብር እምበር፥ ብሞት ሓጥእ ባህ ኣይብለንን እዩ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል ስለ ምንታይከ እትሞቱ? ኻብቲ እኩይ መንገድኹም ተመለሱ፤ ተመለሱ፤ በሎም።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ “ኣነ ህያው እየ፤ እቶም ኣብ ዑናታት ዝነብሩ፥ ብርግፅ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም። ነቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ኸዓ፥ ብልዒ ኣራዊት ክኸውን ክውፍዮ እየ። እቶም ኣብ ዕሩድ እምባታትን ኣብ በዓትታትን ዝነብሩ ድማ ብፌራ ኽሞቱ እዮም።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ ህያው እየ፤ ብርግፅ ንመቕደሰይ፥ ብዅሉ ፅዩፍ ነገርክን ብዅሉ ርኽሰትክን ኣርከስክዮ፤ ስለዙይ ኣነ ድማ ኸንእሰኪ፥ ዓይነይ ንኣኺ ኣይርህርህን፤ ኣነውን ኣይሓዝነልክን።
ከምቲ ማያት ንባሕሪ ዝኸድኖ፥ ምድሪ እውን ክብሪ እግዚኣብሄር ብምፍላጥ ክትመልእ እያ።
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ኣነ ህያው እየሞ፥ ብርግፅ ሞኣብ ከም ሰዶም፥ ደቂ ኣሞንውን ከም ገሞራ፥ ምድሮምውን ዓውሊ ዝወረሶን፥ ጕድጓድ ጨውን፥ ንዘለኣለም ዝዓነወን ክኸውን እዩ። እቶም ካብ ምርኮ ዝተረፉ ህዝበይ ክዘምትዎም፥ ሓድጊ ህዝበይውን ክወርስዎም እዮም።”
እምበኣር ንገሮም፦ ‘ኣነ ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ከምቲ ኣብ እዝነይ ዝተዛረብኩምዎ፥ ከምኡ ኽገብረኩም እየ’ ይብል እግዚኣብሄር።
ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን፤
ኢደይ ንሰማይ ኣልዕል እሞ፥ ኣነ ንዘለኣለም ህያው እየ።