19 ነዝ ህዝቢ እዙይ ከምቲ ዓብዪ ምሕረትካ፥ ከምቲ ኻብ ግብፂ ሒዝካ ኽሳዕ ኣብዙይ ይቕረ ዝበልካሉ፥ ሕዚ ኸዓ እልምነካ ኣለኹ፤ ሓጢኣቱ ሕደገሉ።”
ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤል ከዓ ይቕረ በል፤ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብካያ ምድሪ ድማ ምለሶም።
ምእንትኣቶም ኢሉ ቓል ኪዳኑ ዘከረ፤ ከም ብዝሒ ምሕረቱውን ራህርሀሎም።
ንሱ ግና መሓሪ እዩ፤ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፤ ኣየጥፍኦምንውን፤ ንቝጥዓኡ ብዙሕ ጊዜ መለሶ፤ ብዅሉ መዓቱ ድማ ኣየቃፀለን።
ሓጢኣት ህዝብኻ ይቕረ በልካ፤ ኵሉ በደሎምውን ከደንካ።
ሕዚ ድማ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፤ እንተ ዘይኮነ ኻብቲ ዝፀሓፍካኒ መፅሓፍካ ደምስሰኒ” በለ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣብ ቅድመይ ፀጋ ረኺብካ ኢኻ፤ ብስምካውን ፈሊጠካ እየ እሞ፥ እዝ ዝበልካዮ ነገር ክገብሮ እየ” በሎ።
“ኦ ጐይታ! ኣብ ቅድሜኻ እንተ ደኣ ፀጋ ረኺበስ፥ በይዛኻ ንስኻ ምሳና ኺድ። እዝ ህዝቢ እዙይ ተሪር ክሳድ እኳ እንተ ኾነ፥ ዓመፃናን ሓጢኣትናን ይቕረ በለልና፤ ርስትኻ ጌርካ ኸዓ ተቐበለና” በለ።
ክፉእ ሰብ መንገዱ፥ በደለኛውን ሓሳቡ ይሕደግ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ይመለስ፤ ንሱ ኸዓ ምሕረት ክገብረሉ እዩ፤ ናብ ኣምላኽና ይመለስ፤ ይቕረታኡ ብዙሕ እዩሞ።
ኦ ጐይታ፥ ኣድምፀና፤ ኦ ጐይታ፥ ይቕረ በል። ኦ ጐይታ፥ ስማዕ ግበርውን፤ ስምካ ኣብ ከተማኻን ኣብ ህዝብኻን ተፀዊዑ እዩ እሞ ኦ ኣምላኸይ፥ ስለ ስምካ ኢልካ ኣይትደንጒ።”
ኣብቲ ራእይ ከዓ ነቲ ዅሉ ጠጥዒ ምድሪ ኽበልዖ እንተሎ ረአኹ እሞ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ያእቆብ ንእሽተይ እዩሞ፥ ከመይ ገይሩ ኽቐውም ይኽእል? በይዛኻ ሓጢኣት ህዝብኻ ይቕረ በል” በልኩ።
ኣነ ድማ “ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ንኽትሓድግ እልምነካ ኣለኹ፤ ያእቆብ ንእሽተይ እዩሞ፥ ከመይ ገይሩ ኽቐውም ይኽእል?” በልኩ።
እግዚኣብሄር ከዓ፥ ካብ ክፉእ መንገዶም ከም ዝተመለሱ ግብሮም ረአየ። እግዚኣብሄርውን ነቲ ኸውርደሎም ኢሉ ተናጊርዎ ዝነበረ ኽፉእ ነገር ተናሲሑ ኣይገበሮን።
ናብ እግዚኣብሄር ድማ “ኦ እግዚኣብሄር፥ እልምነካ ኣለኹ፤ እቲ ኣብ ሃገረይ እንተለኹ ዝተዛረብክዎስ እዙይዶ ኣይኮነን? ለጋስን ርህሩህን፥ ንቝጥዓ ደንጓይን፥ በዓል ዓብዪ ምሕረትን፥ ክፍኣት ካብ ምምፃእ እትናሳሕ ኣምላኽ ከም ዝኾንካ ስለ ዝፈለጥኩ እየ፥ ኣቐዲመ ናብ ተርሴስ ዝሃደምኩ።
ሓጢኣት ዝሓድግ፥ በደል እቶም ዝተረፉ ርስቱ ዝኾኑ ህዝቢ ዘሕልፍ፥ ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ መን እዩ? ምሕረት ይፈቱ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ንዘለኣለም ኣይዓቍርን።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ድምፅኻ ሰሚዐ ፈራሕኹ፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ተግባራትካ ኣብ ማእኸል ዓመታት ፈፅም፤ ኣብ ማእኸል ዓመታት ክትፍለጥ፥ ኣብ ጊዜ ቝጥዓ፥ ምሕረት ዘክር።
ኣብ ያእቆብ ክፍኣት ኣይተመልከተን፤ ኣብ እስራኤል ከዓ ሕሰም ኣይረኣየን፤ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ምስኣቶም እዩ፤ ዕልልታ እቲ ንጉስውን ኣብ ማእኸሎም ኣሎ።
እታ ናይ እምነት ፀሎት፥ ነቲ ሕሙም ክተሕውዮ እያ። ጐይታውን ከተስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ኾይኑውን፥ ክሕደገሉ እዩ።