18 ኦ እግዚኣብሄር! ንስኻ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ብዙሕን ዘይውዳእን ምሕረት ዘለካ ኢኻ። በደልን ሓጢኣትን ይቕረ እትብል፥ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ እትቐፅዕ እምበር፥ ንበዳሊ እንተይቀፃዕኻ ኣይትሓድጎን ኢኻ።
ምስማዕ ኣበዩ፤ እቲ ዝገበርካሎም ተኣምራትውን ኣይዘከሩን፤ ክሳውዶም ኣትሪሮም፥ ብዓመፃኦም ናብ ባርነት ግብፂ ንኽምለሱ ሓለቓ ሸሙ። ንስኻ ግና ኣምላኽ ይቕረታን ሰናይን ርህሩህን ኢኻ፤ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ በዓል ብዙሕ ምሕረት ኢኻ እሞ፥ ኣይሓደግካዮምን።
ንስኻትኩም “እግዚኣብሄር፥ ንበደሎም ንደቆም ይዓቝሮ” ኢልኩም ኢኹም፤ ግና ንሳቶም ምእንቲ ኽፈልጥዎ ንባዕላቶም ይፍደዮም።
እግዚኣብሄር መሓርን ይቕረ በሃልን እዩ፤ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ምሕረቱ ድማ ዝበዝሐ እዩ።
ምሕረትካ ኽሳዕ ሰማያት ዓበየት፤ ሓቅኻውን ክሳዕ ደመናታት እዩ።
በደል ኣቦታቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትዘከር፤ ሓጢኣት እኖኡ ኸዓ ኣይደምሰስ።
እግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ፤ ንቝጥዓ ዝድንጒ ምሕረቱውን ዝበዝሐ እዩ።
ንሱ ግና መሓሪ እዩ፤ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፤ ኣየጥፍኦምንውን፤ ንቝጥዓኡ ብዙሕ ጊዜ መለሶ፤ ብዅሉ መዓቱ ድማ ኣየቃፀለን።
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ግና መሓርን ርህሩህን ኣምላኽ ኢኻ፤ መዓትካ ዝረሓቐ ምሕረትካን ፅድቅኻን ዝበዝሐ ኢኻ።
ኣይትስገደሎም፤ ኣይተምልኮምውን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቐናእ ኣምላኽ እየ እሞ፥ ንዝፀልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዝቐፅዕ፥
ንዝፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዝሕልዉን ግና ኽሳዕ ሽሕ ትውልዲ ምሕረት ዝገብር እየ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብዛዕባ እቶም ንህዝቡ ዝሕልዉ ጓሶት ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኻትኩም ንመጓሰይ በተንኩምወን ኣባረርኩምወን፤ ጥንቃቐውን ኣይገበርኩምለንን። እንሆ፥ ንኽፍኣትኩም ግቡእ ቅፅዓት ከምፅአልኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ንስኻ ነእላፋት ምሕረት እትገብር፥ ግና ብበደል ኣቦታት ድማ ንውሉዶም እትቐፅዕ ኣምላኽ ኢኻ። ንስኻ ዓቢይን ሓያልን ኣምላኽ ኢኻ፤ ስምካ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
ኣቦታትና ሓጢኣት ገበሩ፤ ሕዚ ግና የለዉን፤ ንሕና ድማ በደሎም ንፀውር ኣለና።
ናብ እግዚኣብሄር ድማ “ኦ እግዚኣብሄር፥ እልምነካ ኣለኹ፤ እቲ ኣብ ሃገረይ እንተለኹ ዝተዛረብክዎስ እዙይዶ ኣይኮነን? ለጋስን ርህሩህን፥ ንቝጥዓ ደንጓይን፥ በዓል ዓብዪ ምሕረትን፥ ክፍኣት ካብ ምምፃእ እትናሳሕ ኣምላኽ ከም ዝኾንካ ስለ ዝፈለጥኩ እየ፥ ኣቐዲመ ናብ ተርሴስ ዝሃደምኩ።
ሓጢኣት ዝሓድግ፥ በደል እቶም ዝተረፉ ርስቱ ዝኾኑ ህዝቢ ዘሕልፍ፥ ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ መን እዩ? ምሕረት ይፈቱ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ንዘለኣለም ኣይዓቍርን።
“ሕዚ ኸዓ እልምነካ ኣለኹ፤ ኦ እግዚኣብሄር! ሓይልኻ ኣርእየና፤ ከምቲ ዘተስፈኻዮ ኸዓ ግበር።
ኣብ ያእቆብ ክፍኣት ኣይተመልከተን፤ ኣብ እስራኤል ከዓ ሕሰም ኣይረኣየን፤ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ምስኣቶም እዩ፤ ዕልልታ እቲ ንጉስውን ኣብ ማእኸሎም ኣሎ።
ስለዙይ፥ ከምቲ ሓጢኣት ሞት ብምምፃእ ዝነገሰ፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ከዓ ኸምኡ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና፥ ብፅድቂ ንዘለኣለም ህይወት ክነግስ እዩ።
ንዝፈትዉኒ፥ ትእዛዛተይውን ንዝሕልዉ ኸዓ ኽሳዕ ሽሕ ትውልዲ ምሕረት ዝገብር እየ።
ኣይትስገደሎም፤ ኣይተምልኮምውን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ንዝፀልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ፥ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዝቐፅዕ፥ ቀናእ ኣምላኽ እየ።
ነቶም ዝፀልእዎ ንምጥፋእ ኣብ ቅድሚኣቶም ናይ ኢዶም ይፈድዮም፤ ንዝፀልእዎ እንተይደንጐየ ኣብ ቅድሚኡ ናይ ኢዶም ይፈድዮም።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾነ፥ ንዝፈትውዎን ትእዛዙ ንዝሕልዉን ክሳዕ ሽሕ ትውልዲ ምሕረት ዝገብር፥ ቃል ኺዳኑውን ዝሕሉ እሙን ኣምላኽ ከም ዝኾነ፥ ፍለጡ።