17 “ሕዚ ኸዓ እልምነካ ኣለኹ፤ ኦ እግዚኣብሄር! ሓይልኻ ኣርእየና፤ ከምቲ ዘተስፈኻዮ ኸዓ ግበር።
ኣነ ግና ንያእቆብ በደሉ፥ ንእስራኤል ከዓ ሓጢኣቱ ኽነግር፥ ብመንፈስ እግዚኣብሄር፥ ሓይልን ፍርድን ትብዓትን ተመሊአ ኣለኹ።
‘እግዚኣብሄር ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ናብታ ዝመሓለሎም ምድሪ ኸእትዎም ስለ ዘይከኣለ፥ ኣብ በረኻ ኣጥፍኦም’ ኢሎም ክዛረቡ እዮም።
ኦ እግዚኣብሄር! ንስኻ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ብዙሕን ዘይውዳእን ምሕረት ዘለካ ኢኻ። በደልን ሓጢኣትን ይቕረ እትብል፥ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ እትቐፅዕ እምበር፥ ንበዳሊ እንተይቀፃዕኻ ኣይትሓድጎን ኢኻ።
እምበኣርከስ፥ ወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ክሓድግ፥ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ” ኢሉ ሽዑ ነቲ መፃጕዕ “ተስእ! ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ገዛኻ ኺድ” በሎ።
እቶም ህዝቢ ኸዓ ነዙይ ሪኦም ተደነቑ፤ ንሰብ ከምዙይ ዝበለ ስልጣን ንዝሃበ እግዚኣብሄር ድማ ኣመስገንዎ።