13 ሙሴ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ በሎ፦ “ንስኻ ነዝ ህዝቢ እዙይ ካብ ማእኸል ግብፃውያን ብሓይልኻ ኣውፂእኻዮ ኢኻሞ። ግብፃውያን እዙይ ምስ ሰምዑ፥
ስለዙይ ሽዑ “ከጥፍኦም እየ” በለ፤ ግና እቲ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ ሙሴ፥ እግዚኣብሄር ተቘጢዑ ኸየጥፍኦም፥ ካብ ቍጥዓኡ ምእንቲ ኽምለስ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ማእኸል ቆመ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፤ “ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሎም እንተ ዝልምኑኒ፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ልበይ ኣይርህርሀሎምን፥ ካብ ቅድሚ ገፀይ ኣውፅኣዮምሞ ይኺዱ።
ግናኸ ምእንቲ ስመይ፥ ካብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣብ ቅድሚኣቶም ዘውፃእኽዎ ህዝብታት፥ ስመይ ከይረክስ ኢለ፥ ስለ ስመይ እየ ዝገበርክዎ።
ግናኸ እዙይ ዝገበርክዎ፥ ምእንቲ ስመይ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ማእኸሎም ዝነበሩ እሞ፥ ኣነ ንኣኣቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ብምውፅአይ ኣብ ቅድሚኣቶም እተፈለጥኩሎም ህዝብታት ስመይ ከይረክስ ኢለ እየ ዝገበርክዎ።
ግና ፀላእቱ ምእንቲ ከይዕበዩ፦ ነዝ ዅሉ እታ ብርትዕቲ ኢድና ደኣ እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣይኮነን ዝገበሮ፥ ከይብሉ፥ ቍጥዓ ፀላእቱ ፈራሕኹ።”
እግዚኣብሄር ህዝቡ ኽገብረኩም ፈትዩ እዩ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ ንኣኻትኩም ንህዝቡ ኣይሓድገኩምን እዩ።