11 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “እዝ ህዝቢ እዙይ ክሳዕ መኣዝ እዩ ዝንዕቐኒ? ክሳዕ መኣዝከ እዮም በቲ ዅሉ ኣብ ማእኸሎም ዝገበርክዎ ምልክታት ዘየኣምኑኒ?
ነታ ፍትውቲ ምድሪ ነዓቕዋ፤ ብቓሉውን ኣይኣመኑን።
ብእግዚኣብሄር ኣይኣመኑንሞ፥ ብምድሓኑውን ኣይተኣማመኑንሞ።
ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን መሊሶም በደሉ፤ ብተኣምራቱውን ኣይኣመኑን።
ከምቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝተፈታተንዎን፥ ዘቘጥዕዎን፥ ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥ ልብኹም ኣይተትርሩ።
ሙሴን ኣሮንን ድማ ኣትዮም ንፈርዖን፥ “ኣምላኽ ዕብራውያን እግዚኣብሄር ‘ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ኣብ ቅድመይ እትዕበ? ኸገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ትእዛዛተይን ሕግጋተይን ምሕላው እትኣብዩ?
ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ፤ ድምፁ ኸዓ ስማዕ። እምቢ ኣይትበሎ። ስመይ ኣብኡ ተሰምዩ እዩ እሞ፥ ሓጢኣት እንተ ሰራሕኻ ንበደልካ ኣይሓድግን እዩ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ኣነ ነዝ ህዝቢ እዙይ ሪአዮ ኣለኹ፤ እንሆ ተሪር ዝኽሳዱ ህዝቢ እዩ።
“ኣቱም ዓያሹ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ዕሽነት እትፈትዉ? መላገፅቲኸ ክሳዕ መኣዝ እዩ ላግፂ? ሰነፋትከ ኽሳዕ መኣዝ እዮም ፍልጠት ዝፀልኡ?”
እዝ ብትረት ልቡ ዝመላለስ፥ ምእንቲ ኸገልግሎምን ክሰግደሎምን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዝኽተል፥ ንቓላተይ ዘይሰምዕ ሕሱም ህዝቢ፥ ከምዛ ኻብ ጥቕሚ ወፃኢ ዝኾነት መዕጠቒት ክኸውን እዩ።
ኣቲ ኢየሩሳሌም፥ ምእንቲ ኽትድሕንስ ልብኺ ኻብ ክፍኣት ሕፀቢ። ክሳዕ መኣዝ ኢዩኸ ኽፉእ ሓሳብ ኣብ ውሽጥኺ ዝነብር?
ግናኸ ቤት እስራኤል ኣብ በረኻ ኸድዑኒ፤ ከም ትእዛዛተይውን ኣይተመላለሱን፤ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ፥ ብህይወት ዝነብረሉ ሕግጋተይ ከዓ ኣበይዎ፤ ንሰናብተይውን የመና ኣርከስወን፤ ሽዑ ኣብቲ በረኻ ኸጥፍኦምስ ቍጥዓይ ደኣ ኽኽዕወሎም በልኩ።
“ኦ ሰማርያ ምራኽ ጣዖትኪ ደርብዪ፤ ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ነዲዱ እዩ፤ ክሳዕ መኣዝ እዮም ዘይነፅሁ?
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎሞ፦ “ኣቦታትኩም ምስ ኣቘጥዑኒ ኽፉእ ከምፅኣሎም ሓሰብኩ፤ ኣይተናሳሕኹንውን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ነታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኸቶ ኣይርእይዋን እዮም፤ ካብቶም ዝነዓቑኒውን ሓደ እኳ ኣይሪኣን እዩ።
“ክሳዕ መኣዝ እዩ እዝ ሕሱም ህዝቢ እዙይ ዘጕረምርመለይ? እቲ እዞም መጕረምረምቲ ደቂ እስራኤል ዘዕዘምዝምዎ ዘለዉ ሰሚዐዮ ኣለኹ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ እግዚኣብሄር የመና ተቘጥዐ እሞ ኸምዙይ ኢሉ መሓለ፦
ኢየሱስ መሊሱ “ኣታ ዘይትኣምን ቀይናን ትውልዲ፥ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ? ክሳዕ መኣዝከ ኽዕገሰኩም እየ? ናብዙይ ናባይ ኣምፅእዎ” በሎም።
ንሱ ኸዓ “ኣታ ዘይኣምን ትውልዲ! ኽሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ? ክሳዕ መኣዝከ ኽዕገሰኩም እየ? ናብዙይ ናባይ ኣምፅእዎ!” በሎም።
ዝገብሮ እንተ ደኣ ኾይነ ግና፥ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩም፥ ኣብ፥ ኣባይ ምህላዉ፥ ኣነውን ኣብ ኣብ፥ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ክተስተውዕሉን፥ ነቲ ግብረይ እመንዎ” ኢሉ መለሰሎም።
እቲ ነቢይ ኢሳይያስ “ኦ ጐይታ፥ ንምስክርነትና መን ኣመኖ? ሓይሊ እግዚኣብሄርከ ንመን ተግሃደሉ?” ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም፥ ክንድዙይ ዝኣክል ተኣምራት እኳ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም እንተ ገበረ፥ ብእኡ ኣይኣመኑን፤
ኣብ ማእኸሎም፥ ካልእ ሰብ ዘይገበሮ ግብሪ እንተ ዘይገብር ነይረ፥ ሓጢኣት ኣይምኾኖምን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ሪኦምስ፥ ንኣይን ነቦይን ፀልኡና።
“ምስ እዝ ዅሉ ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይኣመንኩምን።
እቶም ሰሚዖም ምእዛዝ ዝኣበይዎኸ እንመን እዮም? ኵላቶም እቶም ሙሴ ኻብ ግብፂ መሪሑ ዘውፅኦምዶ ኣይኮኑን?
“ናብ ዕረፍተይ ኣየኣትዉን እዮም” ኢሉ ዝመሓለሎምከ እንመን ድዮም? እቶም ዘይተኣዘዝዎዶ ኣይኮኑን?
ከምቲ ኣብ ምድረ በዳ፥ ንእግዚኣብሄር ክትፈታተንዎ እንተለኹም ምእዛዝ ዝኣበኹምዎ፥ ልብኹም ኣይተትርሩ።