Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 13:32 - መፅሓፍ ቅዱስ

32 ብዛዕባ እታ ዝሰለይዋ ምድሪ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሎም ክፉእ ነገር ነገርዎም፦ “እታ ኽንስልያ ዝሓለፍናያ ምድሪ፥ ነቶም ዝነብርዋ እትውሕጥ ምድሪ እያ። እቶም ኣብኣ ዝረአናዮም ኵሎም ህዝቢ ነዋሕቲ ሰባት እዮም።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 13:32
11 Referencias Cruzadas  

ከምኡውን ኣብ ጌት ውግእ ኮነ። ኣብኡ ኸዓ ሸሽዱሽተ ኣፃብዕ ኣእዳውን፥ ኣፃብዕቲ ኣእጋርን፥ ኣብ ኵሉ ኸዓ ዕስራን ኣርባዕተን ኣፃብዕቲ ዝነበሮ፥ ጕልቡት ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኻብ ራፋይም ዝተወለደ ነበረ።


መሊሱ ኸዓ ኣብ ጌት ውግእ ኮነ። ኣብኡ ሓደ ኣብ ኢደ እግሩ ሸሽዱሽተ፤ ኣብ ኵሉ ኢደ እግሩ ዕስራን ኣርባዕተን ኣፃብዕቲ ዝነበሮ ነዊሕ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኻብቶም ጕልቡታት ደቂ ራፋይም ዝተወልደ ነበረ።


ነታ ፍትውቲ ምድሪ ነዓቕዋ፤ ብቓሉውን ኣይኣመኑን።


ንሰብ ህዝበይ እስራኤል ኣባኻትኩም ከመላልሶም እየ፤ ክወርሱኻ እዮም፤ ርስቶም ከዓ ኽትከውን ኢኻ፤ ድሕሪዙይውን ውሉድ ዘይብሎም ኣይትገብሮምን ኢኻ።


ምድሪ እቲ ኣሞራዊ ምእንቲ ኽትወርሱ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ኣርብዓ ዓመት ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳ መራሕኩኹም።


“ኣነ ግና፥ ነቲ ቑመቱ ኸም ቁመት ዝግባ፥ ምፅንዑ ድማ ኸም ኣውሊዕ ንዝነበረ ኣሞራዊ፥ ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፋእኽዎ። ንፍረኡ ኻብ ላዕሊ፥ ንሰራውሩውን ካብ ታሕቲ ኣጥፋእኽዎ።


ኣብታ ምድሪ ዝነብር ህዝቢ ግና ሓያል እዩ፤ እተን ከተማታት ከዓ ዝተዓረዳን የመና ዓበይትን እየን፤ ኣብኡ ድማ ደቂ ዔናቅ ረአና።


“ኣቱም ግብዛት፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ መንግስተ ሰማይ ንሰብ ኣብ ገፁ እትዓፅዉሉ፥ ንርእስኹም ኣይትኣትዉን፤ ነቶም ክኣትዉ ዝደልዩ ድማ፥ ምእታው ትኽልክልዎም ኣለኹም እሞ፥ ወይለኹም!


ንሕና እሞ ናበይ ክንድይብ? እቶም ህዝቢ ብዙሓት እዮም፤ ቁመቶምውን ካባና ዝነውሑ እዮም። እተን ከተማታት ድማ ዓበይትን ክሳዕ ሰማይ ዝበፅሓን ዝተዓረዳን እየን፤ ንደቂ ዔናቅውን ኣብኡ ረአናዮም፥ ኢሎም ኣሕዋትና ንልብና ኣፍርሕዎ’ በልኩም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos