3 ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ካብ ምድረ በዳ ፋራን ሰደዶም። ንሳቶም ኵሎም ኣሕሉቕ ደቂ እስራኤል ነበሩ።
ሽዑ ደቂ እስራኤል ካብ ምድረ በዳ ሲና ተልዓሉ፤ እቲ ደመናውን ኣብ ምድረ በዳ ፋራን ቆመ።
ብድሕሪኡ እቲ ህዝቢ ኻብ ሓፀሮት ተልዒሉ ተጕዓዘ፤ ኣብ ምድረ በዳ ፋራን ድማ ሰፈረ።
“ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ከነዓን ዝስልሉ ሰባት ከካብ ነገድ ኣቦታቶም ሓድሓደ ሰብ ስደድ። ኵሎም ካብቶም ሹመኛታቶም ይኹኑ” በሎ።
ከይዶም ከዓ ናብታ ሙሴን ኣሮንን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ዘለውዋ ምድረ በዳ ፋራን፥ ናብ ቃዴስ፥ መፁ። ኣብኣ ንሙሴ፥ ንኣሮንን ንዅሉ ማሕበር እስራኤልን ናይቲ ዝረአይዎ ፀብፃብ ሃብዎም። ፍረ እታ ምድሪ እውን ኣርኣይዎም።
ስማቶም ከዓ እዝ ዝስዕብ እዩ፦ ካብ ነገድ ሮቤል፥ ሰሙኤል ወዲ ዛኩር፥
ኣቦታትኩም ድማ ምድሪ ኽሪኡ ኢለ ኻብ ቃዴስ በርኔ ምስ ሰደድክዎም፥ ከምኡ ገበሩ።
እቶም ነታ ምድሪ ንርስቲ ዝመቕሉልኩም ሰባት፥ ካህን ኣልኣዛርን ኢያሱ ወዲ ነዌን እዮም።
“ካብ ኮሬብ ተልዒልና ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኣዘዘና፥ በቲ ዝረአኹምዎ ዓቢይን ዘፍርሕን ምድረ በዳ ናብ ደጕዓ ኣሞራውያን ከድና፤ ናብ ቃዴስ በርኔ ኸዓ መፃእና።
እቲ ነገር ባህ ኣበለኒ፤ ስለዙይ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብ፥ ዓሰርተ ኽልተ ሰባት ካባኻትኩም ወሰድኩ።
“ከምኡውን እግዚኣብሄር ‘ደይቡ እሞ ነታ ዝሃብኩኹም ምድሪ ውረስዋ’ ኢሉ ኻብ ቃዴስ በርኔ ምስ ለኣኸኩም፥ ኣብ ልዕሊ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዓመፅኩም። ንእግዚኣብሄር ኣይኣመንኩምዎን፤ ቃሉውን ኣይሰማዕኹምን።
ሳሙኤል ሞተ፤ ኵሎም እስራኤል ከዓ ተኣኪቦም በኸዩሉ፤ ኣብ ኣርማቴም ኣብ ገዛኡ ድማ ቐበርዎ። ሽዑ ዳዊት ናብ ምድረ በዳ ፋራን ወረደ።