27 ንሙሴ ድማ “ናብታ ዝሰደድካና ምድሪ በፃሕና፤ ብሓቂ ኸዓ ንሳ ፀባን መዓርን እተውሕዝ እያ፤ ፍረኣ ኸዓ እዙይ እዩ።
ህዝብኻ ዝተዓረዳ ኸተማታትን ልሙዕ ምድርን ሓዙ። ኵሉ ፅቡቕ ነገር ዝመልኣ ኣባይትን ዝተዅዓተ ሓፅብታትን ወይንታትን ኣዋልዕን ብዙሕ ፈራዪ ኣእዋምን ድማ ወረሱ እሞ፥ በቲ ዓብዪ ለውሃትካ በልዑን ፀገቡን ሰብሑን ተሓጐሱን።
እግዚኣብሄር ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ኤዋውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ‘ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ’ ኢሉ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ምስ ኣእተወኩም፥ ሽዑ ነዝ በዓል እዙይ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣኽብርዎ ኢኹም።
ካብ መከራ ግብፂ ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸደይበኩም እየ’ ኢሉ እዩ ኢልካ ንገሮም።
ስለዙይ ካብ ኢድ ግብፃውያን ከድሕኖም ወሪደ ኣለኹ፤ ካብታ ምድሪ እቲኣ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ፅብቕትን ስፍሕትን ምድሪ፥ ናብ ዓዲ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን ከደይቦም እየ።
ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ቦታ ኺዱ። ንስኻትኩም ተረርቲ ኽሳድ ዝኾንኩም ህዝቢ ኢኹም እሞ፥ ኣብ መንገዲ ምእንቲ ኸየጥፍአኩምስ፥ ምሳኻትኩም ኣይድይብን እየ” በሎ።
ሽዑ ኸምዝ ሕዚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ነታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ከም ዝህቦም ነቦታቶም ኣተስፍየዮም ዝነበርኩ ኽፍፅሞ እየ” ኣነ ኸዓ “ኣሜን ጐይታይ” ኢለ መለስኩ።
ነታ ነቦታቶም ክትህቦም ዝመሓልካሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ከዓ ሃብካዮም።
ልቦም ንጣዖታቶም ስለ ዝሰዓበ፥ ትእዛዘይ ኣብዮም ከም ሕግጋተይ ከዓ ኣይተመላለሱን፤ ሰናብተይ ድማ ኣርኪሶም እዮም እሞ፥ ናብታ ዝሃብክዎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ካብ ኵላተን ሃገራት ከዓ እትበልፅ ሃገር ኣየእትዎምን እየ ኢለ፥ ኣብ ምድረ በዳ መሓልኩ።”
በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኸውፅኦም፥ ናብታ ኣነ ዝሓረኹሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ካብ ኵሉ ምድሪ እትበልፅ ምድሪ ኸእትዎም መሓልኩሎም።
ንስኻትኩም ግና ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም፤ ኣነ ኸዓ “ነታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ንርስትኹም ክህበኩም እየ” በልኩኹም። ካብ ህዝብታት ዝፈለኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
ንዅሉ ማሕበር ደቂ እስራኤል ከዓ “እታ ኽንስልያ ዝዞርናያ ምድሪ የመና ፅብቕቲ ምድሪ እያ።
እግዚኣብሄር እንተ ፈትዩናስ፥ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸእትወና እዩ፤ ንኣኣውን ክህበና እዩ።
ኣብ በረኻ ኽትቀትለና ኢልካ፥ ካብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ዘውፃእኻናዶ ውሒዱ እዩ? ሕዚ ኸዓ ኣብ ልዕሌና ኽትጕይተትዶ ትደሊ ኣለኻ?
ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኣየእተኻናን፤ ገራሁን ኣታኽልቲ ወይንን ከዓ ኣየውረስካናን። ኣዒንቲ እዞም ሰባት እዚኣቶምዶ ኽተንቍር ደሊኻ ኢኻ? ኣይንመፅእን” በሉ።
ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩምን ንዘርኦምን ክህቦም ዝመሓለሎም፥ ኣብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ዕድሜኹም ምእንቲ ኽነውሕ፥ እዝ ሎሚ ንኣኻትኩም ዝእዝዞ ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛት ሓልዉ።
ናብዛ ቦታ እዚኣ ኸዓ ኣእተወና፤ ነዛ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ድማ ሃበና።
ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዘተስፈዎ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ምእንቲ ኽትኣትዉ ምስ ተሳገርኩም፥ ንቓላት እዝ ሕጊ እዙይ ኣብኡ ፀሓፍዎ።
ናብታ ነቦታቶም ዝመሓልኩሎም፥ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ምስ ኣእተኹዎም፥ በሊዖምውን ምስ ፀገቡን ምስ ሃጠሩን፥ ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ኽምለሱን ከምልኽዎምን እዮም። ንኣይ ግና ኽንዕቑኒ ኺዳነይውን ከፍርሱ እዮም።
ስለዙይ፥ ኦ ህዝቢ እስራኤል! ስምዑ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝበለኩም፥ ሰናይ ክኾነልኩምን ኣብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ድማ የመና ኽትበዝሑን፥ ተጠንቂቕኩም ፈፅምዎ።
ደቂ እስራኤል፥ ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰምዕዎ፥ እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ ተዋጋእቲ ሰብኡት ብሞት ክሳዕ ዝሃልቁ፥ ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ተጕዓዙ። እግዚኣብሄር ድማ እታ ነቦታቶም ዝመሓለሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ከየርእዮም መሓለ።