26 ከይዶም ከዓ ናብታ ሙሴን ኣሮንን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ዘለውዋ ምድረ በዳ ፋራን፥ ናብ ቃዴስ፥ መፁ። ኣብኣ ንሙሴ፥ ንኣሮንን ንዅሉ ማሕበር እስራኤልን ናይቲ ዝረአይዎ ፀብፃብ ሃብዎም። ፍረ እታ ምድሪ እውን ኣርኣይዎም።
ተመሊሶም ድማ ናብታ ዓይንሚስፓጥ እትበሃል ቃዴስ መፁ፤ ንዅላ ምድሪ ኣማሌቃውያንን፥ ነቶም ኣብ ሓሴቦን ታማር ዝነበሩ ኣሞራውያንን ከዓ ሰዓርዎም።
ድምፂ እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ የናውፆ፤ እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ ቃዴስ የናውፆ።
እቶም ሰለልቲ ነታ ምድሪ ሰልዮም፥ ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ተመለሱ።
ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ካብ ምድረ በዳ ፋራን ሰደዶም። ንሳቶም ኵሎም ኣሕሉቕ ደቂ እስራኤል ነበሩ።
ኵሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ከዓ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ናብ ምድረ በዳ ፂን ኣተዉ፤ ኣብ ቃዴስ ድማ ፀንሑ። ማርያም ከዓ ኣብኡ ሞተት፤ ኣብኡውን ተቐበረት።
ሙሴ ድማ ኻብ ቃዴስ ናብ ንጉስ ኤዶምያስ ከምዙይ ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ፦ “ሓውካ ዝኾነ ህዝቢ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ እቲ ዝረኸበና ዅሉ መከራ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።
ናብ እግዚኣብሄር ምስ ኣእወና ግና፥ ንሱ ኣውያትና ሰምዐ፤ መልኣኽ ሰዲዱ ድማ ኻብ ግብፂ ኣውፅአና። “እንሆ ኸዓ ንሕና ኣብ ወሰን ግዝኣትካ ኣብ ዘላ ኸተማ ቓዴስ ኣለና።
ኣቦታትኩም ድማ ምድሪ ኽሪኡ ኢለ ኻብ ቃዴስ በርኔ ምስ ሰደድክዎም፥ ከምኡ ገበሩ።
ክሳዕ ለሰ ኤሽኮል ደዪቦም ነታ ምድሪ ምስ ሰለይዋ፥ ንደቂ እስራኤል ናብታ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ምድሪ ኸይኣትዉ ተስፋ ኸም ዝቘርፁ ገበርዎም።
ካብ ኤፅዮንጋብር ተልዒሎም፥ ኣብ ምድረ በዳ ፂን ሰፈሩ፤ ንሱውን ቃዴስ እዩ።
“ካብ ኮሬብ ተልዒልና ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኣዘዘና፥ በቲ ዝረአኹምዎ ዓቢይን ዘፍርሕን ምድረ በዳ ናብ ደጕዓ ኣሞራውያን ከድና፤ ናብ ቃዴስ በርኔ ኸዓ መፃእና።
ካብ ኮሬብ ብመንገዲ እምባ ሴይር ኣቢልካ ኽሳዕ ቃዴስ በርኔ፥ መንገዲ ዓሰርተ ሓደ መዓልቲ እዩ።
ደቂ ይሁዳ ድማ ኣብ ጌልገላ ኣብ ቅድሚ ኢያሱ ቐረቡ። ቀኔዛዊ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ኸዓ ንኢያሱ ኸምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ሙሴ፥ ኣብ ቃዴስ በርኔ ብዛዕባይን ብዛዕባኻን ዝበሎ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።
እቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ነታ ምድሪ ኽስልል፥ ካብ ቃዴስ በርኔ ኽሰደኒ እንተሎ፥ ኣነ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበርኩ፤ ኣነውን ኣብ ልበይ ዝነበረ ቓል መለስኩሉ።