25 እቶም ሰለልቲ ነታ ምድሪ ሰልዮም፥ ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ተመለሱ።
ሙሴ ኸዓ ናብቲ እምባ ኽድይብ እንተሎ ናብ ማእኸል እቲ ደመና ኣተወ። ኣብቲ እምባውን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ፀንሐ።
ሙሴ እንጀራ እንተይበልዐን ማይ እንተይሰተየን፥ ኣብኡ ምስ እግዚኣብሄር ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ገበረ። ነቲ ቓል ኪዳን፥ ዝኾነ ዓሰርተ ትእዛዛት፥ ኣብተን ፅላት ፀሓፎ።
እታ ቦታ እቲኣ፥ ደቂ እስራኤል ካብኣ ዘለላ ወይኒ ስለ ዝቘረፁ፥ ለሰ ኤሽኮል ተብሃለት።
ከይዶም ከዓ ናብታ ሙሴን ኣሮንን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ዘለውዋ ምድረ በዳ ፋራን፥ ናብ ቃዴስ፥ መፁ። ኣብኣ ንሙሴ፥ ንኣሮንን ንዅሉ ማሕበር እስራኤልን ናይቲ ዝረአይዎ ፀብፃብ ሃብዎም። ፍረ እታ ምድሪ እውን ኣርኣይዎም።