24 እታ ቦታ እቲኣ፥ ደቂ እስራኤል ካብኣ ዘለላ ወይኒ ስለ ዝቘረፁ፥ ለሰ ኤሽኮል ተብሃለት።
ናብ ለሰ ኤሽኮል ከዓ በፅሑ፤ ካብኣ ድማ ሓደ ጨንፈር ምስ ሓደ ኣስካል ወይኒ ቘሪፆም፥ ክልተ ኾይኖም ብመፆሪ ፆርዎ። ካብ ሮማንን ካብ በለስንውን ተማልኡ።
እቶም ሰለልቲ ነታ ምድሪ ሰልዮም፥ ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ተመለሱ።
ክሳዕ ለሰ ኤሽኮል ደዪቦም ነታ ምድሪ ምስ ሰለይዋ፥ ንደቂ እስራኤል ናብታ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ምድሪ ኸይኣትዉ ተስፋ ኸም ዝቘርፁ ገበርዎም።