23 ናብ ለሰ ኤሽኮል ከዓ በፅሑ፤ ካብኣ ድማ ሓደ ጨንፈር ምስ ሓደ ኣስካል ወይኒ ቘሪፆም፥ ክልተ ኾይኖም ብመፆሪ ፆርዎ። ካብ ሮማንን ካብ በለስንውን ተማልኡ።
ካብኡ ዘምለጠ ሓደ ሰብ፥ ናብቲ ዕብራዊ ኣብራም፥ መፂኡ ነቲ ዝኾነ ነገሮ። ኣብራም ድማ ኣብቲ ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ፥ እቲ ኣሞራዊ፥ ሓው ኤሽኮልን ሓው ኣውናንን ይቕመጥ ነበረ። ንሳቶም ከዓ ምስ ኣብራም ኪዳን ተኣታትዮም ነበሩ።
እታ ቦታ እቲኣ፥ ደቂ እስራኤል ካብኣ ዘለላ ወይኒ ስለ ዝቘረፁ፥ ለሰ ኤሽኮል ተብሃለት።
ክሳዕ ለሰ ኤሽኮል ደዪቦም ነታ ምድሪ ምስ ሰለይዋ፥ ንደቂ እስራኤል ናብታ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ምድሪ ኸይኣትዉ ተስፋ ኸም ዝቘርፁ ገበርዎም።
እታ ምድሪ ስርናይን ስገምን ወይንን በለስን ሮማንን፥ ዘይቲ ኣውሊዕን መዓርን፥
ድሕሪዙይ ከዓ ኣብ ለሰ ሾሬቅ ደሊላ ዝስማ ሰበይቲ ፈተወ።