2 “ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ከነዓን ዝስልሉ ሰባት ከካብ ነገድ ኣቦታቶም ሓድሓደ ሰብ ስደድ። ኵሎም ካብቶም ሹመኛታቶም ይኹኑ” በሎ።
ካብ ኵሉ እስራኤል ክኢላታት ሰባት መሪፁ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓለቓ ክኾኑ፥ ሓለቓ ሽሕን፥ ሓለቓ ሚእትን፥ ሓለቓ ሓምሳን፥ ሓለቓ ዓሰርተን ገይሩ ሾሞም።
ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሓደ ሓለቓ ማይ ቤት ምሳኻትኩም ይኹን።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ካብ ዓበይቲ እስራኤል፥ ካብቶም ኣብ ህዝቢ ዓበይትን ሓለቓታትን ከም ዝኾኑ ንስኻ እትፈልጦም፥ ሰብዓ ሰባት ኣክበለይ። ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ከዓ ኣምፅኣዮም፤ ኣብኡ ምሳኻ ደው ኣብሎም።
ስም እቶም ነታ ምድሪ ኽስልይዋ ሙሴ ዝሰደዶም ሰባት እዙይ እዩ። ሙሴ ንኣውሴ ወዲ ነዌ፥ ኢያሱ ኢሉ ሰመዮ።
ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ካብ ምድረ በዳ ፋራን ሰደዶም። ንሳቶም ኵሎም ኣሕሉቕ ደቂ እስራኤል ነበሩ።
ኣቦታትኩም ድማ ምድሪ ኽሪኡ ኢለ ኻብ ቃዴስ በርኔ ምስ ሰደድክዎም፥ ከምኡ ገበሩ።
ንምምቓል እታ ምድሪ ዝሕግዝዎም ድማ ኸካብ ነገድ ሓደ ሹም ውሰድ።
“ሽዑ ነቶም ጥበበኛታትን ፈላጣትን ዝኾኑ ኣሕሉቕ ነገዳት መረፅኩ፤ ኣብ ልዕሌኹምውን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ኣሕሉቕ ሓምሳን ኣሕሉቕ ዓሰርተን ገይረ፥ ኣብ ልዕሌኹም ኣሕሉቕ ገበርኩዎም።
“ከምኡውን እግዚኣብሄር ‘ደይቡ እሞ ነታ ዝሃብኩኹም ምድሪ ውረስዋ’ ኢሉ ኻብ ቃዴስ በርኔ ምስ ለኣኸኩም፥ ኣብ ልዕሊ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዓመፅኩም። ንእግዚኣብሄር ኣይኣመንኩምዎን፤ ቃሉውን ኣይሰማዕኹምን።
ሕዚ ድማ ኻብ ነገዳት እስራኤል ዓሰርተ ኽልተ ሰባት፥ ከካብ ነገድ ሓደ ሓደ ሰብ፥ ምረፁ።