19 እታ ዝነብርዋ ምድሪ ድማ ኸመይ ምዃና፥ ፅብቕቲ እንተ ኾይና ወይ ሕማቕ፥ እተን ዝነብሩለን ከተማታት ከዓ ኸመይ ምዃነን፥ ዕሩዳት እንተ ኾይነን ወይ ዘይተዓረዳ፥
ስለዙይ ካብ ኢድ ግብፃውያን ከድሕኖም ወሪደ ኣለኹ፤ ካብታ ምድሪ እቲኣ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ፅብቕትን ስፍሕትን ምድሪ፥ ናብ ዓዲ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን ከደይቦም እየ።
እታ ሃገር ድማ ኸመይ ከም ዝኾነት፥ እቲ ኣብኣ ዝነብር ህዝቢ እውን ሓያል እንተ ኾይኑ ወይ ድኹም፥ ውሑድ እንተ ኾይኑ ወይ ብዙሕ፥
እታ ምድሪ እውን ከመይ ምዃና፥ ልምዕቲ ምዃናን ዘይምዃናን፥ ኣእዋም እንተልይዋ፥ ወይ እንተ ዘይብላ፥ ርአዩ፤ ትብዑ፤ ካብ ፍረ እታ ምድሪ ድማ ኣምፅኡ።” እተን መዓልቲታት እቲኣተን ከዓ እቲ ቐዳማይ ፍረ ወይኒ ዝበስለለን ጊዜያት ነበራ።