18 እታ ሃገር ድማ ኸመይ ከም ዝኾነት፥ እቲ ኣብኣ ዝነብር ህዝቢ እውን ሓያል እንተ ኾይኑ ወይ ድኹም፥ ውሑድ እንተ ኾይኑ ወይ ብዙሕ፥
ስለዙይ ካብ ኢድ ግብፃውያን ከድሕኖም ወሪደ ኣለኹ፤ ካብታ ምድሪ እቲኣ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ፅብቕትን ስፍሕትን ምድሪ፥ ናብ ዓዲ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን ከደይቦም እየ።
ኣብ ልሙዕ መጓሰዪ ኸውፍረን እየ፤ ደምበአን ከዓ ኣብቲ ነዋሕቲ እምባታት እስራኤል ክኸውን እዩ፤ ኣብኡ ኣብ ፅቡቕ ደምበ ኽዔማ፥ ኣብ ስቡሕ መውፈሪ፥ ኣብ እምባታት እስራኤል ክጓሰያ እየን።
ሙሴ ንምድሪ ከነዓን ክስልሉ ኽሰዶም እንተሎ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ንደቡብ ኣቢልኩም ውፁ፤ ናብቲ እምባታትውን ደይቡ።
እታ ዝነብርዋ ምድሪ ድማ ኸመይ ምዃና፥ ፅብቕቲ እንተ ኾይና ወይ ሕማቕ፥ እተን ዝነብሩለን ከተማታት ከዓ ኸመይ ምዃነን፥ ዕሩዳት እንተ ኾይነን ወይ ዘይተዓረዳ፥