Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 13:17 - መፅሓፍ ቅዱስ

17 ሙሴ ንምድሪ ከነዓን ክስልሉ ኽሰዶም እንተሎ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ንደቡብ ኣቢልኩም ውፁ፤ ናብቲ እምባታትውን ደይቡ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 13:17
16 Referencias Cruzadas  

ኣብራም ድማ ተልዒሉ ኸደ። ናብ ነጌብ ኣቢሉውን ተጕዓዘ።


ኣብራም ከዓ ምስ ሰበይቱን ምስ ኵሉ ጥሪቱን ካብ ግብፂ ወፂኡ ናብ ነጌብ ከደ። ሎጥውን ምስኡ ኸደ።


ተስእ፤ እዛ ምድሪ ንኣኻ ኽህበካ እየ እሞ ንውሓታን ግፍሓታን ኪዳ” በሎ።


ካብ ነጌብ ተልዒሉ ኽሳዕ ቤቴል፥ ናብታ ቕድም ኣብ መንጎ ቤቴልን ጋይን ድንኳኑ ተኺሉላ ዝነበረ ቦታ በፅሐ።


እቲ ኣብ ጐልጐል ሲዲም ዝርከብ ጐዳጕዲ ድማ ቕጥራን መሊኡ ነበረ። ነገስታት ሰዶምን ገሞራን ክሃድሙ እንተለዉ ኸዓ ኣብኡ ወደቑ። እቶም ዝተረፉ ነገስታት ድማ ናብቲ ጎቦታት ሃደሙ።


እታ ሃገር ድማ ኸመይ ከም ዝኾነት፥ እቲ ኣብኣ ዝነብር ህዝቢ እውን ሓያል እንተ ኾይኑ ወይ ድኹም፥ ውሑድ እንተ ኾይኑ ወይ ብዙሕ፥


ኣብ ነጌብ ኣማሌቃውያን ኣብ እምባታት ድማ ሄታውያንን ኢያቡሳውያንን ኣሞራውያንን፥ ኣብ ጥቓ ባሕርን ብወገን ዮርዳኖስን ድማ ከነዓናውያን፥ ይነብሩ ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ።


ንፅባሒቱ ድማ ኣንጊሆም ተስኡ “በዲልና ኢና እሞ፥ እንሆ ናብታ እግዚኣብሄር ዝበለና ቦታ ንድይብ ኣለና” ኢሎምውን ናብ ርእሲ እቲ እምባ ደየቡ።


እቶም ኣብቲ ደጕዓ ዝነብሩ ኣሞራውያን ድማ ወፂኦም ተዋግኡኹም፤ ከምቲ ንህቢ እተሳጕጎ ድማ ኣሳጐጕኹም፤ ካብ ሴይር ጀሚሮም ክሳዕ ሔርማ ወቕዑኹም።


በዝ ኸምዙይ ኢያሱ ንዅላ እታ ምድርን፥ ነቶም ኣብ ደጕዓን ደቡብን ቈላን ጎቦታትን ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ቀተሎም። ሓደ እኳ ኣየትረፈን፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝኣዘዞ፥ እስትንፋስ ንዘለዎ ዅሉ ፈፂሙ ኣጥፍኦ።


ንዓቐብ መተሓላለፊ ኣቅራቢም ናብ ደቡቡ ወፂኡ፥ ንሲን ሓሊፉ፥ ንቃዴስ በርኔ ብደቡባ ደዪቡ፥ ንሔፅሮን ሓሊፉ ድማ ንኣዳር ይድይብ፤ ናብ ቃርቃ ኸዓ ይዘውር።


ሽዑ ኢያሱ ወዲ ነዌ ኻብ ሽጢም ዝበሃል ቦታ ኽልተ ሰባት ብሕቡእ ሰዲዱ፥ “ኬድኩም ነታ ምድርን፥ ንኢያሪኮን ሰልይዋ” በሎም። ንሳቶም ድማ ኸይዶም፥ ረኣብ ናብ እትበሃል ገዛ ኣመንዝራ ኣተዉ፤ ኣብኡውን ሓደሩ።


ንሳ ኸዓ “በረኸት ሃበኒ፤ ኣብ ደቡብ ዘሎ ምድሪ ሂብካኒ ኢኻ እሞ፥ ዓይኒ ማያት ከዓ ሃበኒ” በለቶ። ካሌብ ድማ፥ ላዕለዋይ ዓይኒ ማያትን ታሕተዋይ ዓይኒ ማያትን ሃባ።


እግዚኣብሄር ምስ ደቂ ይሁዳ ስለ ዝነበረ፥ ነቶም ኣብ ኰረብታታት ዝነበሩ ኣልቀቕዎም፤ ነቶም ኣብ ለሰ ዝቕመጡ ዝነበሩ ግና፥ ሰረገላታት ሓፂን ስለ ዝነበሮም፥ ከልቅቕዎም ኣይከኣሉን።


ድሕሪኡ ደቂ ይሁዳ ምስቶም ኣብ ኰረብታታትን ኣብ ደቡብን ኣብ ቈላን ዝነብሩ ከነዓናውያን ክዋግኡ ወረዱ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos