11 ካብ ነገድ ዮሴፍ፥ ንሱውን ካብ ነገድ ምናሴ፥ ጋዲ ወዲ ሱሲ፥
ስለዙይ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ኢሉ መረቖም፦ “ ‘እግዚኣብሄር፥ ከም ኤፍሬምን ምናሴን ይግበርካ’ እናበሉ እስራኤል ክምርቑ እዮም።” ያእቆብ ንኤፍሬም ቅድሚ ምናሴ ገበሮ።
ካብ ነገድ ዛብሎን፥ ጉዲኤል ወዲ ሰዲ፥
ካብ ነገድ ዳን፥ ዓሚኤል ወዲ ገማሊ፥
ዑማን ኣፌቅን ረኣብን፥ ኵለን ዕስራን ክልተን ከተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።