8 ምስኡ ኣፍ ንኣፍ እየ ዝዛረብ፤ ብስዉር ዘይኮነ ብግልፂ እየ ዝዛረቦ እምበር ብምስላ ኣይኮነን፤ ምስሊ እግዚኣብሄርውን ይርኢ። ከመይከ ኣብ ልዕሊ ባርያይ ሙሴ ንምዝራብ ዘይፈራሕኹም?”
ያእቆብ ከዓ ንእግዚኣብሄር ገፅ ንገፅ ሪአዮ ነፍሰይ ድሒና ተረፈት እንትብል፥ ነታ ቦታ “ጰኒኤል” ኢሉ ሰመያ።
ኣነ ግና ብፅድቂ፥ ገፅካ ኽርኢ እየ፤ ክብርኻ ብምርኣይ ከዓ ኽፀግብ እየ።
እዝነይ ናብ ምስላ ኣዘንብል፤ ንምስጢረይ ከዓ ብበገና እገልፅ።
እቲ ድምፂ መለኸት ከዓ የመና ምስ በርትዐን ምስ ፀንዐን፥ ሙሴ ተዛረበ፤ እግዚኣብሄር ድማ ብድምፂ መለሰሉ።
“ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፥ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፥ ኣብ ማይ ከዓ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፥ ብዝኾነ ኣምሳል ዝተቐረፀ ምስሊ ንኣኻ ኣይትግበር።
ሰብ ምስ ፈታዊኡ ኸም ዝዛረብ፥ እግዚኣብሄር ድማ ምስ ሙሴ ገፅ ንገፅ ይዘራረብ ነበረ። ሙሴ ኸዓ ናብቲ ሰፈር ይምለስ ነበረ። እቲ ሓጋዚኡ ኢያሱ ወዲ ነዌ ግና፥ ካብቲ ድንኳን ኣይፍለን ነበረ።
እግዚኣብሄር ከዓ “ምስ ኵሉ ኽብረይ ብቕድሜኻ ኽሓልፍ እየ፤ ብቕድሜኻ ኽሓልፍ እንተለኹ ኸዓ ስመይ፥ ስም እግዚኣብሄር ክእውጅ እየ። ነቲ ፀጋ ኽህቦ ዝደለኹ ፀጋ እህቦ፤ ነቲ ኽምሕሮ ዝደለኹ ድማ እምሕሮ።
ሽዑ ኢደይ ከልዕል እየ፤ ንስኻ ኸዓ ብድሕሪተይ ክትርእየኒ ኢኻ፤ ገፀይ ግና ኣይረአን እዩ” በሎ።
ኣሮንን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ንሙሴ ምስ ረአዩ፥ እንሆ ገፁ የንፀባርቕ ነበረ እሞ፥ ናብኡ ንምቕራብ ፈርሑ።
በዙይ ከዓ ንሳቶም ንምስላን፥ ትርጉምን፥ ንዘረባ ጠቢባንን ዓሚቝ ሓሳባቶምን፥ ከስተውዕልዎ ይኽእሉ።
ንእግዚኣብሄር ብመን ክትምስልዎ ኢኹም? ምስ መንከ ኽተመዓራርይዎ ኢኹም?”
ብመን ትምስሉኒ ኣለኹም? ምስ መንከ ተመዓራርዩኒ ኣለኹም? ክንመሳሰልስ ምስ መን ተረኣእዩኒ ኣለኹም?
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንቤት እስራኤል ሕንቅሕንቅሊተይ ንገሮም፤ ምስላውን መስለሎም።
ሽዑ ኣነ “ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ወዮ! ‘ንሳቶም ብዛዕባይ፥ ምስላታት እዩ ዝምስል’ ይብሉ ኣለዉ” በልኩ።
እግዚኣብሄር ንእስራኤል ብነቢይ ገይሩ ኻብ ግብፂ ኣውፅኦም፤ ብኢድ ነቢይ ድማ ሓለዎም።
ነዞም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነብሩ ኽነግርዎም እዮም። ንስኻ፥ ኦ እግዚኣብሄር! ኣብ ማእኸል እዝ ህዝቢ እዙይ ከም ዘለኻ፥ ገፅ ንገፅውን ከም ዝተርአኻ፥ ደመናኻውን ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ዝቐውም፥ መዓልቲ ብዓምዲ ደመና፥ ለይቲ ኸዓ ብዓምዲ ሓዊ ቐቅድሚኣቶም ከም እትኸይድ ሰሚዖም ኣለዉ።
ሙሴ ምስኡ ንምዝራብ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ምስ ኣተወ፥ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ኪዳን ዘሎ መኽደኒ መስተስረዪ፥ ካብ መንጎ እቶም ክልተ ኪሩቤል እቲ ድምፂ ኽዛረቦ ይሰምዕ ነበረ። ንሱ ድማ ይዛረቦ ነበረ።
እቲ ንኣኻትኩም ዝሰምዕ፥ ንኣይ እዩ ዝሰምዕ፤ እቲ ንኣኻትኩም ዘይቕበል፥ ንኣይ እዩ ዘይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዘይቕበል ድማ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዘይቕበል።”
ንእግዚኣብሄርስ ዝረአዮ ሓደኳ የለን፤ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ፥ ሓደ ወዱ ደኣ ገለፆ እምበር።
ባርያ ጐይታኡ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፥ ደጊም ኣዕርኽተይ እምበር፥ ባሮተይ ኣይብለኩምን፤ ኣነ ግና፥ እቲ ዅሉ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕኽዎ፥ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም፥ ኣዕርኽተይ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ።
ኣብ ማእኸሎም፥ ካልእ ሰብ ዘይገበሮ ግብሪ እንተ ዘይገብር ነይረ፥ ሓጢኣት ኣይምኾኖምን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ሪኦምስ፥ ንኣይን ነቦይን ፀልኡና።
ሕዝስ ከም ብመስትያት ብፅልግልግ ንርኢ ኣለና፤ ሽዑ ግና፥ ገፅ ንገፅ ክንርኢ ኢና። ሕዚ ፍልጠተይ ጐደሎ እዩ፤ ሽዑ ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኣይ ዝፈልጠኒ፥ ፍልጠተይ ምሉእ ክኸውን እዩ።
ንሕና ዅልና ኸዓ፥ ብቕሉዕ ገፅ፥ ክብሪ ጐይታ ኸም መስትያት እናንፀባረቕና፥ መንፈስ ካብ ዝኾነ ጐይታ ከም ዝግበር፥ ነቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ምእንቲ ኽንመስል፥ ካብ ክብሪ፥ ናብ ክብሪ ኽንልወጥ ኢና።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ መንጎ ኣሕዋትኩም፥ ካብ ህዝብኹም፥ ከማይ ዝበለ ነቢይ ከተስአልኩም እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ።
ድሕሪኡ፥ ኣብ እስራኤል፥ ከም ሙሴ ዝበለ፥ ንእግዚኣብሄር ገፅ ንገፅ ዘዛረቦ ነቢይ ኣይተስአን።
በታ እግዚኣብሄር ኣብ ኮሬብ ኣብ ማእኸል ሓዊ ኾይኑ ዝተዛረበኩም መዓልቲ ሓደ መልክዕ እኳ ኣይረአኩምን እሞ፥ ተጠንቂቕኩም ነፍስኻትኩም ሓልዉ።
ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘሎ፥ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘሎ፥ ወይ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ናይ ዝኾነ ምስሊ፥ ዝተቐረፀውን ምስሊ ንኣኻ ኣይትግበር።
ክርስቶስ ናይቲ ዘይረአ እግዚኣብሄር ኣምሳልን፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት በዅርን እዩ።
እምበኣር እቲ ነዙይ ዝንዕቕ፥ ነቲ ቕዱስ መንፈሱ ዝህበኩም ንእግዚኣብሄር እምበር፥ ንሰብ ኣይኮነን ዝንዕቕ ዘሎ።
ንሱ በይኑ፥ ዘይመውት እዩ፤ ሓደ ሰብ እኳ ኸቶ ዘይረአዮ፥ ክሪኦውን ዘይኽእል፥ ኣብ ዘይቕረብ ብርሃን ዝነብር እዩ፤ ንእኡ ንዘለኣለም ክብርን ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።
እግዚኣብሄር ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፥ ብብዙሕ ዓይነትን ብብዙሕ መንገድን፥ ብነቢያት ገይሩ ነቦታትና ተናጊርዎም ነይሩ፤
ንሱውን ክብሪ እግዚኣብሄር መግለፂ፥ ንዅሉ ነገር ብናይ ቃሉ ሓይሊ ዘቕውም፥ ብባህርዩ ፍፁም ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ እዩ። ሓጢኣትና ምስ ኣንፅሀውን፥ ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ልዑል እግዚኣብሄር ተቐመጠ።
ብሕልፊ እኳ፥ ደድሕሪ እቲ ርኹስ ዝኾነ ስጋዊ ፍትወቶም ንዝስዕቡ፥ ንስልጣን እግዚኣብሄርውን ንዝንዕቑ፥ ንፍርዲ ኸፅንሖም እዩ። ደፋራትን ትዕቢተኛታትን ስለ ዝኾኑ፥ ነቶም ናይ ሰማይ ስልጣናት እንትፃረፉ ኣይፈርሑን።
ከምኡ ኸዓ፥ እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ብሕልሞም ስጋኦም የርክሱ፤ ንዅሉ ስልጣን የቃልሉ፤ ነቶም ኣብ ሰማይ ዝነብሩ ኽቡራንውን ይፀርፉ።