6 ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ናብ ዘረባይ ኣድምፁ፦ ኣብ ማእኸልኩም ነቢይ እንተ ሃልዩ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ብራእይ እግለፀሉ፤ ወይ ከዓ ብሕልሚ እዛረቦ።
ብድሕሪ እዝ ነገር እዙይ፥ ቃል እግዚኣብሄር ብራእይ ናብ ኣብራም መፀ፤ ከምዙይውን በሎ፦ “ኣብራም ኣይትፍራሕ፤ ዋልታኻ ኣነ እየ፤ ዓስብኻ የመና ብዙሕ ክኸውን እዩ።”
ሕዚ ኸዓ ነታ ሰበይቲ ናብ ሰብኣያ ምለሳ። ንሱ ነቢይ እዩ እሞ፥ ምእንቲ ኽትድሕን ክፅልየልካ እዩ። እንተ ዘይመሊስካያ ግና፥ ንስኻን ናትካ ዝኾነ ዅሉን ብርግፅ ከም እትሞቱ ፍለጥ” በሎ።
ብሕልሙ ድማ ሓንቲ ኻብ ምድሪ ናብ ሰማይ እትበፅሕ መሳልል ተተኺላ ረኣየ። መላእኽቲ እግዚኣብሄር ድማ ብኣኣ ይድይቡን ይወርዱን ነበሩ።
ያእቆብ ከዓ ኻብ ድቃሱ ተበራበረ እሞ፥ “ኣነ ደኣ ኣይፈለጥኩን ነይረ እምበር፥ ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኣሎ” በለ።
ዮሴፍ ከዓ ሕልሚ ሓለመ፥ ነሕዋቱ ምስ ነገሮም ድማ የመና ፀልእዎ።
ዮሴፍ ከዓ ኻልእ ሕልሚ ሓለመ፤ ነሕዋቱውን “ካልእ ሕልሚ ሓሊመ፤ እንሆ ድማ ፀሓይን ወርሕን ዓሰርተ ሓደ ኸዋኽብትን እንትሰግዱለይ ረአኹ” ኢሉ ነገሮም።
እግዚኣብሄር ድማ ንያእቆብ ብራእይ ለይቲ “ያእቆብ! ያእቆብ!” ኢሉ ፀውዖ። ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ” በለ።
በታ ለይቲ እቲኣ ድማ እግዚኣብሄር ንናታን ከምዙይ በሎ፦
ሰሎሞን ድማ ተበራበረ፤ እንሆ፥ ሕልሚ ኸም ዝኾነ ፈለጠ። ናብ ኢየሩሳሌም መፂኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ቆመ፤ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዓ ኣዕረገ፤ መስዋእቲ ምስጋናውን ኣቕረበ። ንዅሎም ሹመኛታቱ ድማ ምሳሕ ገበረሎም።
በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንሰሎሞን ኣብ ገባዖን ብሕልሚ ተገለፀሉ። “እንታይ ከም ዝህበካውን ለምን” በሎ።
ሰብ ከቢድ ድቃስ ምስ ወደቖ፥ ኣብ ዓራቱውን ምስ ደቀሰ፥ ኣምላኽ ብሕልምን ብናይ ለይቲ ራእይን ይዛረቦ።
ብሕልሚ ለይቲ ሓሳብ እንትለዓል፥ ዝኸበደ ድቃስውን ኣብ ልዕሊ ሰባት እንትወድቕ፥
በቲ ዘመን እቱይ ንደቅኻ ብራእይ ተናገርካዮም፤ ከምዙይውን በልካ፦ “ረድኤት ኣብ ልዕሊ ሓያል ኣንበርኩ፤ ነቲ ዝተመረፀ ኻብ ህዝበይ ልዕል ልዕል ኣበልክዎ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኣምላኽ ፈርዖን ገይረካ እየ፤ ኣሮን ሓውካውን ነቢይ ይኹንካ።
ሓለምና፥ ሓለምና እናበሉ፥ ብስመይ ትንቢት ሓሰት ናይ ዝናገሩ ነቢያት ቃል ሰሚዐ ኣለኹ።
እቲ ሕልሚ ዝሓልም ነቢይ፥ ሕልሙ ይዛረብ፤ እቲ ቓለይ ዝተቐበለ ነብይ፥ ብሓቂ ቓለይ ይናገር። ሓሰር ምስ እኽሊ እንታይ ሓደ ይገበሮም? ይብል እግዚኣብሄር።
ኮነ ድማ፥ ኣብ መበል ሰላሳ ዓመት፥ ኣብታ ራብዐይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ፥ ኣብ ሩባ ኮቦር ኣብ ማእኸል እቶም ምሩኻት እንተለኹ፥ ሰማያት ተኸፈቱ፤ ራእይ እግዚኣብሄርውን ረአኹ።
ሽዑ ኣነ በይነይ ተረፍኩ፤ ነዝ ዓብዪ ራእይ እዙይውን ረአኹ፤ ሓይሊ ኣይተረፈንን፤ ሕብሪ ገፀይውን ተለወጠኒ።
በታ ለይቲ እቲኣ ኸዓ፥ እቲ ምስጢር ንዳንኤል ብራእይ ለይቲ ተገለፀሉ። ዳንኤል ከዓ ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስገኖ።
ብልጣሶር ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ፥ ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱ፥ ዳንኤል ኣብ ዓራቱ እንተሎ ሕልምን ራእይን ረአየ። ሽዑ ነቲ ሕልሚ ፀሓፎ፤ ርእሰ ነገሩውን ተናገረ፤
ብራእይ ከዓ ረአኹ፤ እንትርኢ ድማ፥ ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ኤላም ዘላ ኸተማ ሱሳን ከም ዘለኹ ረአኹ። በቲ ራእይ ኣብ ጥቓ ሩባ ኡባል ነበርኩ።
ኣብ ገለዓድ ሓጢኣት ኣሎ፤ ብርግፅውን ከንቱ እዮም፤ ኣብ ጌልገላ ዝራብዓት ይስውኡ፤ እቶም መሰውኢታቶም ድማ፥ ኣብ ነግሒ ግራት ከም ዝተዀመረ ኣእማን ክኾኑ እዮም።”
እንሆ ድማ፥ በተን መዓልቲታት እቲኣተንን፥ በቲ ጊዜ እቱይን፥ ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ካብ ምርኮ ምስ መለስክዎም፥
እንሆ፥ ኣብ ሓመር ፈረስ ዝተቀመጠ ሓደ ሰብ ብራእይ ለይቲ ረአኹ። ንሱ ድማ ትሕት ኣብ ዝበለ ቦታ፥ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ፀፆ ደው ኢሉ ነበረ። ብድሕሪኡውን ሓመር፥ ግራጫ፥ ፀሊም፥ ኣምበላይ ዝኾኑ ኣፍራስ ነበሩ።
ናይቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕ፥ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ራእይ ዝርኢ፥ እቲ ዝወደቐ ኣዒንቱውን ዝተኸፈታሉ ኸምዙይ ይብል፤
እዙይ እናሓሰበ እንተሎ፥ እንሆ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ተርኣዮ፤ ከምዙይ ድማ በሎ፦ “ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፥ እቲ ኻብኣ ዝውለድ ብመንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ፥ ንሕፅይትኻ ማርያም ምውሳዳ ኣይትፍራሕ።
ሄሮድስ ምስ ሞተ፥ እንሆ ኣብ ግብፂ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተርእዩ፥
እምበኣርከስ፥ ደቂ ቐተልቲ ነቢያት ምዃንኩም፥ ባዕልኻትኩም ትምስክሩ ኣለኹም።
ስለዙይ እንሆ፥ ነቢያትን ጠቢባንን፥ መምህራን ሕግን እልእኸልኩም ኣለኹ፤ ንገሊኣቶም ክትቀትልዎምን ክትሰቕልዎምን፥ ንገሊኣቶም ከዓ ኣብ ቤተ ፀሎትኩም ክትገርፍዎምን፥ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲውን ክተሳጕጉዎምን ኢኹም።
“ኢየሩሳሌም፥ ኢየሩሳሌም! ኣቲ ንነቢያት እትቐትሊ! ነቶም ናባኺ ዝተልኣኹ ብእምኒ እትቕጥቅጢ! ደርሆ ንጨቓውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ ኸም እትእክቦም፥ ንደቅኺ ኽእክቦም ክንደይ ዘይደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።
ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ እንተሎ ድማ ሰበይቱ፥ “ሎሚ ለይቲ ብሕልሚ፥ ብዛዕባኡ ብዙሕ ተሳቕየ እየ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ፃድቕ ሰብ፥ ሓንቲ ኸይትብድል ተጠንቀቕ!” ኢላ ለኣኸትሉ።
ሽዑ መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ብወገን የማን እቲ መሰውኢ ዕጣን ቆይሙ ተርኣዮ።
ናብኣቶም ናብ ደገ ወፂኡ፥ ክዛረቦም ስለ ዘይከኣለ ድማ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ራእይ ከም ዝረአየ ፈለጡ፤ ንሱውን በሃም ኮይኑ ብኢዱ የመልክቶም ነበረ።
‘ካብ ሰብ’ እንተ በልናዮ፥ ኵሉ ህዝቢ ዮሃንስ ነቢይ ምዃኑ ይኣምን እዩ እሞ፥ ብእምኒ ኽቕጥቅጠና እዩ” ኢሎም ብልቦም ሓሰቡ።
እንሆ ኸዓ ሰማይ ተኸፊቱ፥ በርባዕተ መዓዝኑ ዝተትሓዘ ዓብዪ መጋረጃ ዝመስል ነገር፥ ናብ ምድሪ ኣቢሉ እንትወርድ ረአየ።
ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ዝረአዮ ራእይ፥ “እንታይ ኮን ይኸውን” እናበለ ብልቡ ኽጭነቕ እንተሎ፥ እንሆ እቶም ካብ ቆርኔሌዎስ ዝተልኣኹ ሰባት “እንዳ ስምኦን ኣበይ እዩ” ኢሎም እናጠየቑ፥ ኣብቲ ኣፍ ደገ ደው በሉ።
ንሱ ኸዓ ንገሊኣቶም ሃዋርያት፥ ንገሊኣቶም ነቢያት፥ ንገሊኣቶም ሰበኽቲ ወንጌል፥ ንገሊኣቶም ጓሶት [ምእመናን] ንገሊኣቶም ድማ፥ መምህራን ገይሩ ውህብቶ ሃበ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ መንጎ ኣሕዋትኩም፥ ካብ ህዝብኹም፥ ከማይ ዝበለ ነቢይ ከተስአልኩም እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ።
ከማኻ ዝበለ ነቢይ ኻብ ማእኸል ኣሕዋቶም ከተስአሎም እየ፤ ቃለይ ኣብ ኣፉ ኽገብር እየ፤ ኵሉ ዝኣዘዝክዎ ድማ ኽነግሮም እዩ።
እግዚኣብሄር ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፥ ብብዙሕ ዓይነትን ብብዙሕ መንገድን፥ ብነቢያት ገይሩ ነቦታትና ተናጊርዎም ነይሩ፤
እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ በዞም ክልተ ነቢያት እዚኣቶም፥ ይሳቐዩ ስለ ዝነበሩ፥ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ ብሞት እዞም ክልተ ነቢያት ኽሕጐሱ፥ ባህውን ክብሎም እዩ፤ ንስንሳቶም ከዓ፥ ውህብቶ ኽወሃሃቡ እዮም።
ነቶም ክልተ መሰኻኽረይ፥ ወጮ ተኸዲኖም ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኽንበዩ፥ ሓይሊ ኽህቦም እየ” በለኒ።
ንእግዚኣብሄር ድማ ጠየቐ፤ እግዚኣብሄር ግና ብሕልምታት ኮነ፥ ብኡሪም ኮነ፥ ብነቢያት፥ ኣይመለሰሉን።
ሳሙኤል ድማ ኽሳዕ ዝወግሕ ደቀሰ፤ ብድሕሪኡ መዓፁ ቤት እግዚኣብሄር ከፈተ። እቲ ራእይ ንኤሊ ኸይነግሮ ግና ፈርሐ።
እግዚኣብሄርውን መሊሱ ኣብ ሴሎ ተገልፀ፤ ብቓል እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ኣብ ሴሎ ይግለፅ ነበረ። ቃል ሳሙኤል ድማ ናብ ኵሉ እስራኤል በፅሐ።