16 ብድሕሪኡ እቲ ህዝቢ ኻብ ሓፀሮት ተልዒሉ ተጕዓዘ፤ ኣብ ምድረ በዳ ፋራን ድማ ሰፈረ።
እስማኤል ኣብ ምድረ በዳ ፋራን ይቕመጥ ነበረ። እኖኡ ድማ ኻብ ግብፂ ሰበይቲ ኣምፅአትሉ።
እግዚኣብሄር ካብ ቴማን፥ እቲ ቅዱስውን ካብ እምባ ፋራን ይመፅእ ኣሎ፤ ክብሩ ንሰማያት ከደነ፤ ምስጋናኡ ድማ ንምድሪ መልኣ።
ሽዑ ደቂ እስራኤል ካብ ምድረ በዳ ሲና ተልዓሉ፤ እቲ ደመናውን ኣብ ምድረ በዳ ፋራን ቆመ።
እቶም ህዝቢ ኸዓ ኻብ “መቓብር ህርፋን” ናብ ሓፄሮት ተጕዓዙ፤ ኣብኣ ኸዓ ሰፈሩ።
ማርያም ድማ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ሸውዓተ መዓልቲ ተዓፀወት። እቲ ህዝቢ ኸዓ ማርያም ክሳዕ እትምለስ፥ ኣይተጕዓዘን።
እግዚኣብሄር ንሙሴ
ከይዶም ከዓ ናብታ ሙሴን ኣሮንን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ዘለውዋ ምድረ በዳ ፋራን፥ ናብ ቃዴስ፥ መፁ። ኣብኣ ንሙሴ፥ ንኣሮንን ንዅሉ ማሕበር እስራኤልን ናይቲ ዝረአይዎ ፀብፃብ ሃብዎም። ፍረ እታ ምድሪ እውን ኣርኣይዎም።
ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ካብ ምድረ በዳ ፋራን ሰደዶም። ንሳቶም ኵሎም ኣሕሉቕ ደቂ እስራኤል ነበሩ።
ካብ ሓፄሮት ተልዒሎም፥ ኣብ ሪትማ ሰፈሩ።
ሳሙኤል ሞተ፤ ኵሎም እስራኤል ከዓ ተኣኪቦም በኸዩሉ፤ ኣብ ኣርማቴም ኣብ ገዛኡ ድማ ቐበርዎ። ሽዑ ዳዊት ናብ ምድረ በዳ ፋራን ወረደ።