14 እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ኣቦኣ ኣብ ገፃ እንቱፍ ኢሉላ እንተ ዝኸውን፥ ሸውዓተ መዓልቲዶ ኣይምሓፈረትን ነይራ? ኣብ ወፃኢ ሰፈር ሸውዓተ መዓልቲ ትተዓፆ፤ ብድሕሪኡ ኸዓ ናብ ሰፈር ትእቶ” በሎ።
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ንጉስ ኣዛርያስ ቀሰፎ፤ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸዓ ለምፃም ኮነ። ኣብ ፍሉይ ቤትውን ይቕመጥ ነበረ። ኢዮኣታም ወዲ ንጉስ ድማ ኽንዲ እቲ ንጉስ ኮይኑ ንህዝቢ እታ ሃገር የመሓድር ነበረ።
ኣብ ማእኸል ህዝብታት መመሰሊ ገበረኒ፤ ኣብ ገፁ ፂቕ ከም ዝብሉሉ ሰብ ኮንኩ።
ንሳቶም ፈንፈኑኒ፤ ካባይ ድማ ረሓቑ፤ ምራቖምውን ኣብ ቅድመይ እንትፍ ምባል ኣይሓፍሩን።
ዝባነይ ንገረፍቲ፥ ምዕጕርተይ ድማ፥ ንነፀይቲ ፀጕሪ ሃብኩ፤ ገፀይ ከዓ ኻብ ውርደትን፥ ካብ ቱፍ ዝብሉለይን ኣይከወልኩን።
እቲ ኣብ ቈርበቱ ዘሎ ዙዕታ እንተ ፃዕደወ፥ ካብቲ ቘርበቱ ኸዓ ዓሚቑ እንተ ዘይተርኣየ፥ ፀጕሩ እውን እንተ ዘይፃዕደወ፥ እቲ ኻህን ነቲ ቝሱል ሸውዓተ መዓልቲ ንበይኑ ይዕፀዎ።
እቲ ዝነፅሀ ሰብ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ኵሉ ፀጕሩ ድማ ይላፀ፤ ብማይ እውን ይተሓፀብ፤ ሽዑ ይነፅህ፤ ድሕሪዙይ ድማ ናብ ሰፈር ይእቶ፤ ግና ኣብ ወፃኢ ድንኳን ሸውዓተ መዓልቲ ይቀመጥ።
እግዚኣብሄር ንሙሴ
ሽዑ ኣብ ገፁ እንትፍ በሉሉ፤ ገሊኣቶም ድማ ወቕዕዎ።
እታ ሰበይቲ ሓዉ ኣብ ቅድሚ እቶም ሹመኛታት ናብኡ ትቕረብ፤ ሳእኑ ኻብ እግሩ ተውፅእ፤ ናብ ገፁ እውን እንትፍ ትበለሉ፤ ‘ገዛ ሓዉ ንዘይሃንፅ ሰብ ከምዙይ ይግበሮ’ ኢላ ድማ ትዛረብ።
ኣብ ልዕሊዙይ ብስጋ ዝወለዱና ኣቦታት ዝቐፅዑና ኻብ ኮኑ፥ ንሕናውን እነኽብሮም ካብ ኮንና፥ ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር፥ ነቲ መንፈሳዊ ኣቦና ደኣ፥ ከመይ ኣብሊፅና ኽንእዘዞ ዘይግበአና!