10 እቲ ደመና ኻብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ኣግለሰ፤ እንሆ ኸዓ ንማርያም ለምፂ ሓዛ፤ ከም በረድውን ፃዕደወት። ኣሮን ድማ ናብ ማርያም ግልፅ በለ፤ እንሆ ኸዓ ሕማም ለምፂ ሒዝዋ ነበረ።
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ንጉስ ኣዛርያስ ቀሰፎ፤ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸዓ ለምፃም ኮነ። ኣብ ፍሉይ ቤትውን ይቕመጥ ነበረ። ኢዮኣታም ወዲ ንጉስ ድማ ኽንዲ እቲ ንጉስ ኮይኑ ንህዝቢ እታ ሃገር የመሓድር ነበረ።
እምበኣርከስ እቲ ለምፂ ንእማን ንዘለኣለም ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ይልገብ” በሎ። ሽዑ ሕማም ለምፂ ሓመመ፤ ቈርበቱ ኸዓ ኸም በረድ ፃዕድዩ፥ ለምፃም ኮይኑ ኻብ ቅድሚ ኤልሳዕ ወፀ።
ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ድማ ለምፂ ዝሓዞም ኣርባዕተ ሰባት ነበሩ። ንስንሳቶም ከዓ “ስለ ምንታይ ኢና ኽሳዕ እንመውት ኣብዙይ እንቕመጥ?
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ መሊሱ “ንኢድካ ናብ መንኰራርዕትኻ ኣእትዋ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ናብ መንኰራርዕቱ ኣእተዋ። ምስ ኣውፅኣ ድማ፥ እንሆ ኢዱ ኸም በረድ ዝፃዕደወት ለምፃም ኮነት።
ውሉድ ወሊዶም እንተ ኣዕበዩኳ፥ ሓደ ሰብ ከይተርፈሎም ውሉድ ኣልቦ ኽገብሮም እየ። ካብኣቶም ምስ ረሓቕኩ ወይለኦም!
ሕማም ለምፂ ንዘለዎ ዅሉን፥ ካብ ሰብነቱ ፈሳሲ ነገር ንዝፈስሶ ዅሉን፥ ሬሳ ብምንካእ ንዝረኸሰ ዅሉን፥ ካብ ሰፈር ከውፅእዎ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም።
“ብድሕሪዙይ ኣብ ፀጋሙ ንዘለዉ ‘ኣቱም ርጉማን፥ ካባይ ረሓቑ፤ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን ዝተዳለወ፥ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኺዱ፤
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እቲ ኻብ ግብፂ ወፂእኹም ኣብ መንገዲ እንተለኹም፥ ኣብ ሚርያም ዝገበሮ ዘክሩ።