1 ሙሴ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣእትዩ ነበረሞ፥ ማርያምን ኣሮንን፥ ብዛዕባ እታ ዘእተዋ ኢትዮጲያዊት ሰበይቲ፥ ኣብ ልዕሊኡ ተዛረቡ።
ካብ ኣጓላት እዞም ኣነ ኣብ ማእኸሎም ዝነብር ዘለኹ ከነዓናውያን፥ ንወደይ ይስሓቅ ሰበይቲ ኸይተምፅአሉ፥ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይን፥ ኣምላኽ ምድርን ኣምሕለካ ኣለኹ።
ጐይታይ ድማ ‘ናብ ቤት ኣቦይን ናብ ዓሌተይን ኬድካ ደኣ ንወደይ ጓል ኣምፅአሉ እምበር፥ ካብ ኣጓላት እዞም ኣነ ኣብ ምድሮም ዝነብር ዘለኹ ከነዓናውያን፥ ንወደይ ሰበይቲ ኸይተምፅኣሉ’ ኢሉ ኣምሓለኒ።
ርብቃ ኸዓ ንይስሓቅ “ብሰንኪ ኣጓላት ኬጢ ምንባረይ ፀላእኹ። ያእቆብ ካብ ኣጓላት ኬጢ፥ ካብ ኣጓላት እዛ ሃገር እዚኣ፥ ከምዚኣተን ዝበለት ሰበይቲ ዘእቱ እንተ ኾይኑ ብህይወት ምንባር ንኣይ እንታየይ እዩ?” በለቶ።
ፈርዖን ከዓ ንዮሴፍ “ፀፍናት ፐዕናሕ” ዝብል ስም ኣውፅአሉ። ንኣስናት፥ ጓል ጶጥፌራ ኻህን ሄልዮት ድማ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ሃቦ። ዮሴፍ ድማ ናብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ወፀ።
ንኻህን ምድያም ድማ ሸውዓተ ኣጓላት ነበራኦ። ኣባጊዕ ኣቦአን ከስትያ፥ ማይ ቀዲሐን ነቲ ጋብላታት መልኣኦ።
ሙሴ ድማ ምስ ራጉኤል ክቕመጥ ደለየ። ንሱ ኸዓ ንጓሉ ሲፖራ ሰበይቲ ኽትኮኖ ንሙሴ ሃቦ።
እተን ኣጓላቶም ከዓ ደድሕሪ ኣማልኽተን ክስዕባ እንተለዋ፥ ንደቅኹም ድማ ደድሕሪ ኣማልኽተን ከም ዝስዕቡ ኸይገብራኦም፥ ኣጓላቶም ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ።”
ካብ ህዝቡ ድንግል ዝኾነት ጓል የእቱ እምበር፥ መበለት ወይ ፍትሕቲ ወይ ዝረኸሰት ወይ ኣመንዝራ ኣየእቱ።
ኵሎም እቶም ክብረይን ኣብ ግብፅን ኣብ ምድረ በዳን ዝገበርክዎ ተኣምራተይን ዝረአዩ ሰባት፥ ድሮ እኳ ዓሰርተ ሻዕ ስለ ዝፈተኑኒ ቓለይ ከዓ ስለ ዘይሰምዑ፥
ኣብ ልዕሊ ሙሴ ተልዓሉ፤ ምስኣቶም ድማ ካብ ደቂ እስራኤል ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሹመኛታት ወሰዱ፤ ንሳቶም ብህዝቦም ስሙያት ዝኾኑ ናይቲ ማሕበር ኣሕሉቕ ነበሩ።
ስም ሰበይቲ እንበረም ዮካብድ ነበረ። ንሳ ኣብ ግብፂ ዝተወልደት ጓል ሌዊ እያ። ንእንበረም ድማ ኣሮንን ሙሴን ማርያም ሓፍቶምን ወለደትሉ።
ንሰብ ፀላእቱ፥ ቤተሰቡ ክኾኑ እዮም።
ኢየሱስ ግና ነቲ ዝነገሮ “እኖይ መን እያ? ኣሕዋተይከ እንመን እዮም?” ኢሉ መለሰሉ።
‘ኣገልጋሊ፥ ካብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩ’ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክሩ፤ ንኣይ እንተ ኣሳጒጎምኒ ንኣኻትኩምውን ከሳጕጉኹም እዮም፤ ቃለይ እንተ ሓልዮም፥ ቃልኩምውን ክሕልዉ እዮም።
ኣሕዋቱ ብእኡ ኣይኣመኑን ነበሩሞ።
እሞኸ ሓቂ ስለ ዝነገርኩኹምዶ፥ ፀላኢ ኾይነኩም እየ?