9 ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር ኣውሊ ብለይቲ እንትወርድ፥ መና ኸዓ ኣብልዕሊኡ ይወርድ ነበረ።
ለመኑ ብርንሂጎታት ድማ ኣምፅአሎም፤ ብሕብስቲ ሰማይውን ኣፅገቦም።
ሙሴ ድማ፥ እቶም ህዝቢ በብዓሌቶም፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳኖም እንትበኽዩ ሰምዐ። ቍጥዓ እግዚአብሔር ከዓ የመና ነደደ፤ ሙሴውን ተቘጥዐ።
እቶም ህዝቢ እናዞሩ ይኣርይዎ ነበሩ። ብመጥሓን ድማ ይጥሕንዎ ወይ ብመጉእ ይወቕጥዎ፤ ኣብ ቍራዕ የብስልዎ፤ ቅጫውን ይገብርዎ ነበሩ። ጣዕሙውን ብዘይቲ ኸም ዝተሰንከተ ቕጫ ይጥዕም ነበረ።
ትምህርተይ ከም ዝናም ይኻፊ፤ ዘረባይ ከዓ ኸም ዛዕዛዕታ ይውረድ፤ ከም ጥምቕ ኣብ ልዕሊ ለምለም፥ ከም ብርቱዕ ዝናም ኣብ ልዕሊ ሳዕሪ ይውረድ።