35 እቶም ህዝቢ ኸዓ ኻብ “መቓብር ህርፋን” ናብ ሓፄሮት ተጕዓዙ፤ ኣብኣ ኸዓ ሰፈሩ።
ነቶም ህርፋን ዝሓዞም ህዝቢ ኣብኣ ስለ ዝቐበርዎም፥ እታ ቦታ እቲኣ “መቓብር ህርፋን” ተብሃለት።
ብድሕሪኡ እቲ ህዝቢ ኻብ ሓፀሮት ተልዒሉ ተጕዓዘ፤ ኣብ ምድረ በዳ ፋራን ድማ ሰፈረ።
ካብ መቓብር ምንዮት ተልዒሎም፥ ኣብ ሓፄሮት ሰፈሩ።
ሙሴ፥ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኣብ ምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ ኣብ ዘሎ ምድረ በዳ እንተለዉ ዝነገሮም ቃል እዙይ እዩ። ንሳቶም ኣብ ጥቓ ሱፍ ዝበሃል ቦታ ኣብ ዘሎ ምድረ በዳ፥ ኣብ መንጎ ፋራንን ቶፌልን ላባንን ሓፃሮትን ዲዛሃብን ዘሎ ጐልጐል ነበሩ።