34 ነቶም ህርፋን ዝሓዞም ህዝቢ ኣብኣ ስለ ዝቐበርዎም፥ እታ ቦታ እቲኣ “መቓብር ህርፋን” ተብሃለት።
ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣቶም መፀ፤ ካብኣቶምውን ነቶም ዝበዝሑ ቐተለ፤ ንሕሩያን እስራኤልውን ኣሰናኸለ።
እቶም ህዝቢ ኸዓ ኻብ “መቓብር ህርፋን” ናብ ሓፄሮት ተጕዓዙ፤ ኣብኣ ኸዓ ሰፈሩ።
ካብ ምድረ በዳ ሲና ተልዒሎም፥ ኣብ መቓብር ምንዮት ሰፈሩ።
ካብ መቓብር ምንዮት ተልዒሎም፥ ኣብ ሓፄሮት ሰፈሩ።
እዙይ ከዓ ኸምቲ ንሳቶም ነቲ ኽፉእ ዝተመነይዎ፥ ንሕናውን ምእንቲ ኸይንምነ፥ ምሳሌ ኾነና።
“ኣብ ተቤራን ኣብ ማሳሕን ኣብ ምንዮት መቓብርንውን ንእግዚኣብሄር ኣቘጣዕኹምዎ።