32 እቲ ህዝቢ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ መዓልትን ለይትን፥ ንፅባሒቱውን ምሉእ መዓልቲ ብርንሂጎታት ኣከበ። እቲ ዝወሓደ ዝኣከበ፥ ዓሰርተ ዅንታል ኣከበ። ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ድማ ሰጥሕወን።
ሓደ ምሸ ዓስራይ ኣፍ ናይ ኢፍ እዩ።
“ናይ ኢፍን ናይ ባዶስን ልክዑ ማዕረ ይኹን፤ እቲ ናይ ባዶስ መስፈሪ ዓስራይ ኣፍ ቆሮስ፥ እቲ ኢፍ ከዓ ዓስራይ ኣፍ ቆሮስ ይኹን፤ እቲ ቆሮስውን እተለክዐ ይኹን።
እቲ ስጋ ገና ኣብ ኵርምቶም እንተሎ እንተይሓየኽዎ ኸዓ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ነደደ፤ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ህዝቢ ብብርቱዕ መቕሰፍቲ ወቕዐ።