Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 11:31 - መፅሓፍ ቅዱስ

31 ካብ እግዚኣብሄር ድማ ንፋስ ወፀ፤ ካብ ባሕሪ ኸዓ ብርንሂጎታት ኣምፂኡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር፥ መንገዲ መዓልቲ ዝኣክል በዙይ፥ መንገዲ መዓልቲ ዝኣክል ድማ በቱይ፥ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር በተኖም፤ ምብራኹ ኸዓ ኻብ ምድሪ ንላዕሊ ኣስታት ክልተ እመት ነበረ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 11:31
9 Referencias Cruzadas  

ለመኑ ብርንሂጎታት ድማ ኣምፅአሎም፤ ብሕብስቲ ሰማይውን ኣፅገቦም።


ንሱውን ዝለመንዎ ሃቦም፤ ግና ንነፍሶም ዕብራን ሰደደሎም።


ካብ ወሰን ምድሪ ንደመናት የውፅእ፤ ብጊዜ ዝናም መብረቕ ይገብር፤ ንንፋሳትውን ካብ መዛግብቱ የውፅኦም።


ሙሴ ኸዓ በትሩ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብፂ ዘርግሐ፤ እግዚኣብሄር ድማ ብምልእታ እታ መዓልቲ እቲኣን፥ ብምልእታ እታ ለይቲ እቲኣን፥ ናብታ ምድሪ ንፋስ ምብራቕ ኣምፅአ። ምስ ወግሐ ድማ እንሆ እቲ ንፋስ ምብራቕ፥ ኣንበጣ ኣምፅአ።


እግዚኣብሄር ድማ ኣውሎ ንፋስ ምዕራብ ኣምፅአ። ነቲ ኣንበጣ ኸዓ ፀራሪጉ ናብ ባሕሪ ኤርትራ ደርበዮ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ ሓደ ኣንበጣ እኳ ኣይተረፈን።


ንፋስ ኣንፈስካ፤ ባሕሪ ድማ ኸደኖም፤ ከም ዓረር ድማ ኣብ ዓሚቝ ማይ ሰጠሙ።


ንምሸቱ ብርንሂጎታት መፂአን ነቲ ሰፈር ከደናኦ። ብጊሓት ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ዛዕዛዕታ ወዲቑ ነበረ።


ሙሴን እቶም ዓበይቲ እስራኤልን ከዓ ናብ ሰፈር ተመለሱ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos