3 ሓዊ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኣቶም ስለ ዝነደደ ድማ፥ እታ ቦታ እቲኣ ተቤራ ተብሃለት።
እግዚኣብሄር እዙይ ሰሚዑ ተቘጥዐ፤ ኣብ ልዕሊ ያእቆብ ሓዊ ነደደ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ቍጥዓኡ ወፀ።
እቲ ኣብ መንጎኣቶም ዝነበረ ዝተፈላለየ ህዝቢ ህርፋን ሓዞ፤ ደቂ እስራኤልውን ይበኽዩ ነበሩ፤ “እንበልዖ ስጋ መን ምሃበና? በሉ።
ካብ እግዚኣብሄር ከዓ ሓዊ ወፀ፤ ነቶም ዝዓጥኑ ዝነበሩ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ድማ በልዖም።
“ኣብ ተቤራን ኣብ ማሳሕን ኣብ ምንዮት መቓብርንውን ንእግዚኣብሄር ኣቘጣዕኹምዎ።