Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 11:28 - መፅሓፍ ቅዱስ

28 ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኣገልጋሊ ሙሴ ዝነበረ ኢያሱ ወዲ ነዌ ኸዓ፥ “ጐይታይ ሙሴ፥ ከልክሎም” ኢሉ ተዛረበ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 11:28
9 Referencias Cruzadas  

ኤሊሳማ ንነዌ ወለደ፤ ነዌ ንኢያሱ ወለደ፤


ሙሴ ድማ ንኢያሱ “ኣጓብዝ ሕረየልና እሞ፥ ወፂእኻ ኸዓ ምስ ኣማሌቃውያን ተዋጋእ። ኣነ ፅባሕ፥ በትሪ እግዚኣብሄር ኣብ ኢደይ ሒዘ ኣብ ርእሲ እቲ እምባ ደው ክብል እየ” በሎ።


ሙሴን ኣገልጋሊኡ ኢያሱን ተልዓሉ፤ ሙሴ ድማ ናብ እምባ እግዚኣብሄር ደየበ።


ሰብ ምስ ፈታዊኡ ኸም ዝዛረብ፥ እግዚኣብሄር ድማ ምስ ሙሴ ገፅ ንገፅ ይዘራረብ ነበረ። ሙሴ ኸዓ ናብቲ ሰፈር ይምለስ ነበረ። እቲ ሓጋዚኡ ኢያሱ ወዲ ነዌ ግና፥ ካብቲ ድንኳን ኣይፍለን ነበረ።


ሽዑ ሓደ ጐበዝ ጐይዩ፥ “ኤልዳድን ሞዳድን ኣብ ሰፈር ኮይኖም ይንበዩ ኣለዉ” ኢሉ ንሙሴ ነገሮ።


ናብ ዮሃንስ መፂኦም ከዓ “መምህር፥ እቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ፥ ንስኻውን ዝመስከርካሉ፥ እንሆ ንሱ የጥምቕ ኣሎ፤ ኵሎም ከዓ ናብኡ ይኸዱ ኣለዉ” በልዎ።


ከምዙይ ድማ ኾነ፥ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ምስ ሞተ፥ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ወዲ ነዌ፥ ኣገልጋሊ ሙሴ፥


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos