27 ሽዑ ሓደ ጐበዝ ጐይዩ፥ “ኤልዳድን ሞዳድን ኣብ ሰፈር ኮይኖም ይንበዩ ኣለዉ” ኢሉ ንሙሴ ነገሮ።
ኤልዳድን ሞዳድን ዝበሃሉ ኽልተ ሰብኡት፥ ኣብ ሰፈር ተሪፎም ነበሩ። ንሳቶም ካብቶም ዝተፅሓፉ ነበሩ፤ ናብ ድንኳን ግና ኣይኸዱን ነበሩ፤ እቲ መንፈስ ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ወረደ፤ ኣብ ሰፈር እንተለዉ ኸዓ ትንቢት ተናገሩ።
ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኣገልጋሊ ሙሴ ዝነበረ ኢያሱ ወዲ ነዌ ኸዓ፥ “ጐይታይ ሙሴ፥ ከልክሎም” ኢሉ ተዛረበ።
ዮሃንስ ንኢየሱስ “መምህር፥ ሓደ ብስምካ ኣጋንንቲ ኸውፅእ እንተሎ ርኢናዮስ፥ ምሳና ስለ ዘይተኸተለካ ኸልኪልናዮ” በሎ።
ዮሃንስ ከዓ “መምህር፥ ሓደ ሰብኣይ ብስምካ ኣጋንንቲ ኸውፅእ እንተሎ ርኢናዮስ፥ ምሳና ስለ ዘይተኸተለካ ኸልኪልናዮ” በሎ።