25 እግዚኣብሄር ከዓ ብደመና ወሪዱ ንሙሴ ተዛረቦ፤ ካብቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መንፈስ ወሲዱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብዓ ዓበይቲ ኣሕደረ። እቲ መንፈስ ኣብ ልዕሊኣቶም ምስ ዓረፈ ድማ ተነበዩ፤ ደጊሞም ግና ኣይተናገሩን።
እቶም ኣብ ኢያሪኮ ኣብ ማዕዶኡ ዝነበሩ ደቂ ነቢያት ምስ ረአይዎ ድማ “መንፈስ ኤልያስ ኣብ ልዕሊ ኤልሳዕ ሓዲሩ ኣሎ” በሉ። ክራኸብዎ መፂኦም ከዓ ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ኢድ ነስኡሉ።
ዝምህሮም ሰናይ መንፈስካ ሃብካዮም፤ መናውን ካብ ኣፎም ኣየጕደልካን። ምስ ፀምኡ ድማ ማይ ሃብካዮም።
ብዓምዲ ደመናውን ተዛረቦም፤ ንሳቶም ከዓ ነቲ ዝሃቦም ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ሓለዉ።
ሕዚ ድማ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፤ እንተ ዘይኮነ ኻብቲ ዝፀሓፍካኒ መፅሓፍካ ደምስሰኒ” በለ።
እግዚኣብሄር ድማ ብደመና ወሪዱ ኣብ ጥቓ ሙሴ ደው በለሞ፥ ስም እግዚኣብሄር ኣወጀ።
ብዅሉ መንገዶም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ቤት እስራኤል፥ ደመና እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ነበረሞ፥ ሓዊ ድማ ብለይቲ ኣብኡ ነበረ።
ሽዑ ንሱ ንናይ ቅድም ዘመንን ንሙሴን ንህዝቡን ዘከረ፤ “እቲ ምስቶም ጓሶት መጓሰኡ ኻብ ባሕሪ ዘውፅኦም ሕዚ ኣበይ ኣሎ? እቲ ንቕዱስ መንፈሱ፥ ኣብ ውሽጦም ዘሕደረ ኣበይ ኣሎ?
ኣብ ቅድሚኣቶም ከዓ፥ ሰብዓ ሰባት ካብ ዓበይቲ ቤት እስራኤል፥ ኣብ ማእኸሎም ድማ ያእዛንያ ወዲ ሻፋን ቆይሙ፥ ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፎም ድማ ፅንሃህ ሒዞም፥ ኣብኡ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ መዓዛ ዕጣንውን ዒግ ኢሉ ወፀ።
ወሪደ ኣብኡ ምሳኻ ኽዛረብ እየ፤ ካብቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘሎ መንፈስ ክወስድ እየ፤ ኣብ ልዕሊኣቶም ከዓ ኸንብር እየ። ንስኻ በይንኻ ኸይትፆሮ ድማ፥ ፆር እቶም ህዝቢ ምሳኻ ኽፆሩ እዮም።
እግዚኣብሄር ከዓ ብዓምዲ ደመና ወረደ፤ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ደው ኢሉ ድማ ንኣሮንን ንማርያምን ፀውዖም፤ ክልቲኦም ከዓ ቕርብ በሉ።
ሙሴ ድማ ተሲኡ ናብ ዳታንን ኣቤሮንን ከደ፤ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ከዓ ሰዓብዎ።
ንደቂ እስራኤል በብነገዶም ሰፊሮም ምስ ረአዮም ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ መፀ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ነቲ ቕኑዕ መንፈስ ዘለዎ ሰብ፥ ኢያሱ ወዲ ነዌ ወሲድካ ኢድካ ኣንብረሉ።
ሓደ ኻብኣቶም ኣጋቦስ ዝስሙ ተሲኡ፥ ኣብ ኵሉ ዓለም ብርቱዕ ጥሜት ከም ዝኸውን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተዛረበ፤ እዙይ ዝኾነ ድማ ብዘመን ቀላውዴዎስ ቄሳር እዩ።
እቶም መናፍስቲ ነቢያት ነቶም ነቢያት ይግዝእዎም እዮም እሞ።
ኵሉ ፅቡቕ ውህብቶን፥ ፍፁም በረኸትን፥ ካብ ላዕሊ እዩ፤ ካብቲ ዘይለዋወጥ ወይ ብምዝውዋር ዝኸውን ፅላሎት ዘይብሉ፥ ካብ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዝወርድ።
ትንቢት፥ ቅዱሳን ሰባት እዮም፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተዛረብዎ እምበር፥ ፈፂሙ ብድሌት ሰብ ዝመፀ ኣይኮነን።
መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ይፈርድ ነበረ። ክዋጋእ ኸዓ ወፀ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኵሰርሰቴም ንጉስ መስጴጦምያ ናብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ። ኢዱውን ንኵሰርሰቴም ሰዓረቶ።
ናብታ ዀረብታ ምስ መፁ ድማ፥ እንሆ ጉባኤ ነቢያት ተቐበልዎ፤ መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ እሞ፥ ኣብ ማእኸሎም ኮይኑ ተነበየ።