24 ሙሴ ድማ ወፂኡ እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ቓል ነቶም ህዝቢ ነገሮም። ካብቶም ዓበይቲ ህዝቢ ሰብዓ ሰባት ኣኪቡ ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ደው ኣበሎም።
ምስ ኣውፅኦ ድማ፥ ነታ ናብ ኦም ህይወት እትወስድ መንገዲ ዝሕልዉ ኪሩቤልን፥ እትጋላበጥን እተንበልብል ሰይፍን፥ ብወገን ምብራቕ ገነት ኤደን ኣቐመጠ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ካብ ዓበይቲ እስራኤል፥ ካብቶም ኣብ ህዝቢ ዓበይትን ሓለቓታትን ከም ዝኾኑ ንስኻ እትፈልጦም፥ ሰብዓ ሰባት ኣክበለይ። ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ከዓ ኣምፅኣዮም፤ ኣብኡ ምሳኻ ደው ኣብሎም።
ኤልዳድን ሞዳድን ዝበሃሉ ኽልተ ሰብኡት፥ ኣብ ሰፈር ተሪፎም ነበሩ። ንሳቶም ካብቶም ዝተፅሓፉ ነበሩ፤ ናብ ድንኳን ግና ኣይኸዱን ነበሩ፤ እቲ መንፈስ ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ወረደ፤ ኣብ ሰፈር እንተለዉ ኸዓ ትንቢት ተናገሩ።