23 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኢደይ ኢድ እግዚኣብሄርዶ ሓፃር እያ? እቲ ዝብሎ ዝፍፀም እንተ ኾይኑ ወይ ዘይፍፀም እንተ ኾይኑ ሕዚ ኽትርኢ ኢኻ” በሎ።
ንእግዚኣብሄርዶ ዝሰኣኖ ነገር ኣሎ እዩ? ንዓመታ ኸምዛ እዋን እዚኣ ኽምለሰካ እየ፤ ሳራ ድማ ወዲ ኽትወልድ እያ” በሎ።
እቲ ኣገልጋሊኡ ኸዓ “እዙይ ደኣ ኸመይ ገይረ ንሚእቲ ሰባት ከቕርበሎም እየ?” በሎ። ኤልሳዕ ግና “እግዚኣብሄር፥ ‘ክበልዑ እዮም፤ ከትርፉ ድማ እዮም’ ኢሉ እዩ እሞ፥ ነቶም ህዝቢ ደኣ ሃቦም፤ ይብልዕዎ” በሎ።
ቀንዲ ኣገልጋሊ እቲ ንጉስ ድማ ንኤልሳዕ “እግዚኣብሄር መሳዅቲ ሰማይ ከፊቱ እኽሊ እንተ ዘዝንም እኳ እዝ ነገር እዙይ ይኸውንዶ?” ኢሉ መለሰሉ። ኤልሳዕ ከዓ “በዒንትኻ ኽትሪኦ ኢኻ፤ ግና ኻብኡ ኣይትጥዕምን ኢኻ” በሎ።
መሊሶም ንእግዚኣብሄር ፈተንዎ፤ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣሕዘንዎ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣብ ልዕሊ ፈርዖን ዝገብሮ፥ ሕዚ ኽትርኢ ኢኻ። ብሓያል ኢድ ክሰዶም እዩ። እወ፥ ብሓያል ኢድ ካብ ምድሩ ኣውፂኡ ኽሰጎም እዩ” በሎ።
“ምስ መፃእኹ ንምንታይ እዩ ሰብ ዘይነበረ? ምስ ፀዋዕኹስ ስለ ምንታይ እዩ፥ ዝምልስ ሰብ ዘይነበረ? ብሓቂዶ ኢደይ ንምቢዛው ሓፃር እያ? ወይ ከዓ ኸድሕን ዝኽእል ሓይሊዶ የብለይን እየ? እንሆ፥ ብቝጥዓይ ንባሕሪ ኣንፅፎ፤ ንወሓይዝ ድማ ምድረ በዳ እገብሮ፤ ሰኣን ማይ ከዓ፥ ዓሳታቱ ብፅምኢ ሞይቶም ከም ዝጨንዉ እገብር።
እንሆ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ንምድሓን ሓፃር ኣይኮነትን፤ ከይሰምዕ ኸዓ እዝኑ ኣይፀመመትን እያ።
ስለ ምንታይከ ኸምቲ ቀባሕባሕ እናበለ፥ ከናግፍ ዘይኽእል ጅግና ትኸውን? ኦ እግዚኣብሄር ንስኻ፥ ብርግፅ ኣብ ማእኸልና ኣለኻ፤ ንሕና ብስምካ ተፀዊዕና ኢና እሞ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣይትሕደገና።
“ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ እንሆ፥ በቲ ዓብዪ ሓይልኻን በታ እተዘርግሐት ቅልፅምካን፥ ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ንስኻ ኢኻ። ንኣኻ ዘይከኣለካ ነገር የለን።
“እንሆ ኣነ እግዚኣብሄር፥ ናይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ደቂ ሰብ ኣምላኽ እየ፤ ንኣይ ዘይከኣለኒ ነገርዶ ኣሎ እዩ?
ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፥ ኣነ እየ ዝዛረብ፤ እቲ ቓል ከዓ ኽፍፀም እዩ፤ ኣይድንጕን ድማ እዩ፤ ኣቱም ዓማፂ ቤት ብዘመንኩም ቃል እዛረብ፥ እገብሮውን ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”
ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዝተዛረብክዎ፤ ክኸውን እዩ፤ ክገብሮ ድማ እየ፤ ንድሕሪት ኣይምለስን፤ ኣይምሕርን፤ ኣይናሳሕን ድማ እየ፤ ከም መንገድኽን ከም ግብርኽን ክፈርዱኺ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ናብቲ ጕድጓድ ምስ በፅሐ፥ ንዳንኤል እናሕቘንቈነ ብድምፂ ሓዘን ፀውዖ፤ “ኣታ ዳንኤል ባርያ ህያው ኣምላኽ፥ እቲ ዅልሻዕ እተምልኾ ኣምላኽስ፥ ካብ ኣናብስ ከናግፈካዶ ኽኢሉ?” በሎ።
“ኣታ ቤት ያእቆብ እትብሃል! ብሓቂ መንፈስ እግዚኣብሄር ዘይዕገስ ድዩ? ስራሑኸ ኸምዙይ ድዩ? ቃለይስ ብቕንዕና ንዝኸይድ ሰናይዶ ኣይገብርን?
ኣባጊዕን ኣጣልን ከፍትን እንተ ዝሕረዳ ምኣኸላኦምዶ? ዅሉ ዓሳ ባሕሪ እንተ ዝእከብከ መፅገቦምዶ?” በለ።
እግዚኣብሄር ሓሰት ከይዛረብ ሰብ ኣይኮነን፤ ከይናሳሕ ከዓ ወዲ ሰብ ኣይኮነን፤ ንሱ ነቲ ዝበሎ ኣይገብሮንዶ? ነቲ ዝተዛረቦኸ ኣይፍፅሞንዶ?
ኢየሱስ ድማ ጠመቶም እሞ “እዙይ ብሰብ ኣይከኣልን፤ ብእግዚኣብሄር ግና ዅሉ ይከኣል እዩ” በሎም።
ሰማይን ምድርን ይሓልፍ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”
ንእግዚኣብሄር ዝሰኣኖ ነገር የለንሞ።”