19 ሓደ መዓልቲ ወይ ክልተ መዓልቲ ወይ ሓሙሽተ መዓልቲ ወይ ዓሰርተ መዓልቲ ወይ ዕስራ መዓልቲ ኣይኮነን እትበልዑ፤
እቲ ዝተመነይዎ ሃቦም፤ በልዑ፤ የመናውን ፀገቡ።
“ነቶም ህዝቢ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ ‘ፅባሕ ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም እሞ ንፅሁ፤ እንበልዖ ስጋ መን ምሃበና? ኣብ ግብፂ ፅቡቕ ነበርና፤ እናበልኩም ብምብካይ ዘጕረምረምኩምዎ፥ እግዚኣብሄር ሰሚዕዎ እዩ፤ እምበኣር እግዚኣብሄር ስጋ ኽህበኩም እዩ እሞ ኽትበልዑ ኢኹም።
ብኣፍንጫኹም ክሳዕ ዝወፅእ እሞ ኽሳዕ እትፀልእዎ ወርሒ ምሉእ ክትበልዑ ኢኹም። እዙይ ከዓ ነቲ ኣብ ማእኸልኩም ዘሎ እግዚኣብሄር ስለ ዝነዓቕኩምዎን፥ ስለ ምንታይ ካብ ግብፂ ወፃእና? እናበልኩም ኣብ ቅድሚኡ ስለ ዝበኸኹምን እዩ’ በሎም” በሎ።