16 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ካብ ዓበይቲ እስራኤል፥ ካብቶም ኣብ ህዝቢ ዓበይትን ሓለቓታትን ከም ዝኾኑ ንስኻ እትፈልጦም፥ ሰብዓ ሰባት ኣክበለይ። ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ከዓ ኣምፅኣዮም፤ ኣብኡ ምሳኻ ደው ኣብሎም።
ኣብ ምድሪ ግብፂ ንዮሴፍ ዝተወለዱሉ ኸዓ ኽልተ ደቂ እዮም። ናብ ግብፂ ዝኣተዉ ዅሎም ቤተ ሰብ ያእቆብ እምበኣር ሰብዓ እዮም።
ካብ ኵሉ እስራኤል ክኢላታት ሰባት መሪፁ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓለቓ ክኾኑ፥ ሓለቓ ሽሕን፥ ሓለቓ ሚእትን፥ ሓለቓ ሓምሳን፥ ሓለቓ ዓሰርተን ገይሩ ሾሞም።
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ፥ “ንስኻን ኣሮንን ናዳብን ኣብዩድን ሰብዓ ኻብ ዓበይቲ እስራኤልን ኴንኩም፥ ናብቲ ኣነ ዘለኹዎ እምባ ደይቡ፤ ኣብ ርሑቕ ኴንኩም ድማ ስገዱ።
ሙሴ፥ ኣሮን፥ ናዳብ፥ ኣብዩድ፥ ካብ ዓበይቲ እስራኤል ድማ ሰብዓ ኾይኖም፥ ናብቲ እምባ ደየቡ።
ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኸይዶም ንዅሎም ዓበይቲ ደቂ እስራኤል ኣከብዎም።
እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ኪድ፤ ካብቲ ሰራሒ መሬት ሳርማ ዓድግ። ካብቶም ዓበይቲ ህዝብን ካብቶም ዓበይቲ ኻህናትንውን ንገሊኣቶም ምሳኻ ተማላእ።
ኣብ ቅድሚኣቶም ከዓ፥ ሰብዓ ሰባት ካብ ዓበይቲ ቤት እስራኤል፥ ኣብ ማእኸሎም ድማ ያእዛንያ ወዲ ሻፋን ቆይሙ፥ ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፎም ድማ ፅንሃህ ሒዞም፥ ኣብኡ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ መዓዛ ዕጣንውን ዒግ ኢሉ ወፀ።
ሙሴ ድማ ወፂኡ እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ቓል ነቶም ህዝቢ ነገሮም። ካብቶም ዓበይቲ ህዝቢ ሰብዓ ሰባት ኣኪቡ ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ደው ኣበሎም።
ሙሴ ድማ ተሲኡ ናብ ዳታንን ኣቤሮንን ከደ፤ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ከዓ ሰዓብዎ።
ድሕሪዙይ ጐይታ ኻልኦት ሰብዓን ክልተን መረፀ። በብኽልተ ገይሩ፥ ናብቲ ንሱ ክኸዶ ዘለዎ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለኣኾም።
እቶም ሰብዓን ክልተን ልኡኻት ድማ “ጐይታ! ኣጋንንቲ እኳ፥ ብስምካ ተገዚኦምልና” እናበሉ ብሓጐስ ተመለሱ።
“ሽዑ ነቶም ጥበበኛታትን ፈላጣትን ዝኾኑ ኣሕሉቕ ነገዳት መረፅኩ፤ ኣብ ልዕሌኹምውን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ኣሕሉቕ ሓምሳን ኣሕሉቕ ዓሰርተን ገይረ፥ ኣብ ልዕሌኹም ኣሕሉቕ ገበርኩዎም።
“ኣብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ኵለን ከተማታትኩም ንነገዳትኩም ፈራዶን ኣሕሉቕን ሹሙ። ንህዝቢ ኸዓ ቕኑዕ ፍርዲ ይፍረዱ።
ሕዚ ኸዓ ዓበይቲ ነገዳትኩምን ኣሕሉቕኩምን ኣክቡለይ፤ እዝ ነገር እዙይ ድማ ኽዛረቦም እየ፤ ሰማይን ምድርን ከዓ ምስክረይ ክኾኑ እዮም።