14 ነዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ፥ ኣነ በይነይ ክፆሮ ኣይክእልን እየ እሞ፥ እምብዛ ኸቢዱኒ ኣሎ።
በቲ ዘመን እቱይ ንደቅኻ ብራእይ ተናገርካዮም፤ ከምዙይውን በልካ፦ “ረድኤት ኣብ ልዕሊ ሓያል ኣንበርኩ፤ ነቲ ዝተመረፀ ኻብ ህዝበይ ልዕል ልዕል ኣበልክዎ።
ንስኻን እዝ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ክትደኽሙ ኢኹም፤ እዝ ነገር እዙይ ንኣኻ የመና ኸቢድ እዩ እሞ፥ በይንኻ ኽትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ።
ህፃን ተወሊዱልና፤ ወዲውን ተውሂቡና እዩ፤ ስልጣን ከዓ፥ ኣብ ማእገሩ ክኸውን እዩ። ስሙውን “ዘደንቕ” “መኻሪ” “ሓያል ኣምላኽ” “ኣቦ ዘለኣለም” “ሓለቓ ሰላም” ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ።
ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝሰርሕ ንሱ እዩ፤ ክብሪውን ክለብስ እዩ፤ ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ ኸዓ ኽገዝእ እዩ። ኣብ ዙፋኑ ኻህን ክኸውን እዩ፤ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ከዓ ምኽሪ ሰላም ክህሉ እዩ።’
ነዚኣቶም፥ ካብ ሞት ናብ ሞት ዘብፅሕ መዓዛ፥ ነቲኣቶም ከዓ፥ ካብ ህይወት ናብ ህይወት ዘብፅሕ መዓዛ ኢና። ነዝ ነገርዙይ ብቑዕ እየ ዝብልከ መን ኣሎ?