12 ‘መጕዚት፥ ንዝጠቡ ህፃን ከም እትፀውር፥ ናብታ ነቦታቶም ዝመሓልካሎም ምድሪ ኽሳዕ ዘእትዎም ኣብ ሕቝፍኻ ፁሮም’ እትብለንስ፥ ነዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ ኣነዶ ጠኒሰዮ? ኣነዶኸ ወሊደዮ እየ?
እዛ ንስኻ እትሪኣ ዘለኻ ዅላ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ንዘለኣለም ክህበካ እየ።
እቲ ኻብ ቤት ኣቦይን ካብታ ዝተወለድኩላ ምድርን ዘውፅአኒ ‘ነዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ኽህባ እየ’ ኢሉ ዝተዛረበንን ዝመሓለለይን፥ ኣምላኽ ሰማይ እግዚኣብሄር፥ ንሱ መልኣኹ ቐቅድሜኻ ኽልእኽ እዩ፤ ካብኡ ድማ ንወደይ ሰበይቲ ኽተምፅአሉ ኢኻ።
እዘን ኵለን ምድርታት ንኣኻን ንዘርእኻን ክህበካ እየ እሞ፥ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ተቐመጥ። ኣነ ኸዓ ምሳኻ ክኸውንን ክባርኸካን እየ። እቲ ነቦኻ ኣብርሃም ዝመሓልኩሉ ማሕላ ድማ ኸፅንዖ እየ።
ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ፥ “ኣነ ኽመውት እየ። እግዚኣብሄር ግና ብሓቂ ኽምልከተኩም እዩ፤ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ኸዓ ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ዝመሓለሎም ምድሪ ኽመልሰኩም እዩ” በሎም።
ኣክኣብ ኣብ ሰማርያ ሰብዓ ኣወዳት ነበርዎ። ኢዩ ድማ ናብ ሰማርያ፥ ናብ ኣሕሉቕ ኢይዝራኤል፥ ናብቶም ዓበይትን ናብቶም መዕበይቲ ደቂ ኣክኣብን ከምዙይ ዝብል መልእኽቲ ፅሒፉ ሰደደ፦
ስለዙይ እቲ ኣዛዚ ቤትን እቲ ኣዛዚ እታ ኸተማን እቶም ዓበይትን እቶም መዕበይቲ ደቅን “ንሕና ሓሻኽርካ ኢና፤ ዝበልካና ዅሉ ንገብር፤ ደስ ዘብለካ ደኣ ግበር እምበር፥ ንሓደ እኳ ኣይነንግስን ኢና” ኢሎም ናብ ኢዩ ለኣኹሉ።
“እግዚኣብሄር ድማ ናብታ ንኣኻን ነቦታትካን ዝመሓለልካ ምድሪ ከነዓናውያን ምስ ኣእተወካ ንኣኣውን ምስ ሃበካ፥
እግዚኣብሄር ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ኤዋውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ‘ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ’ ኢሉ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ምስ ኣእተወኩም፥ ሽዑ ነዝ በዓል እዙይ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣኽብርዎ ኢኹም።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንስኻን እዝ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝብን ካብዙይ ኪዱ፤ ናብታ ‘ንዘርእኹም ክህቦም እየ’ ኢለ፥ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ዝመሓልኩሎም ምድሪ ደይቡ።
ናብታ ኢደይ ኣልዒለ፥ ‘ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህባ እየ’ ኢለ ዝመሓልኩላ ምድሪ ኸእትወኩም እየ፤ ርስቲ ኽትኮነኩም ከዓ ኽህበኩም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ድማ በሎ።
ንሱ ንመጓሰኡ ኸም ጓሳ የውፍረን፤ ንመሓሲኡ ኣኪቡ ኣብ ሕቝፉ ይስከመን፤ ነተን ዘጥብዋ ድማ ብህድኣት ይመርሐን።
“ብሓቂ እኖ ንተጥብዎ ውሉዳ ትርስዖዶ? ነቲ ኻብ ማህፀና ዝተወለደኸ ኣይትርህርሀሉንዶ? እወ፥ ንሳ ትርስዕ ትኸውን፤ ኣነ ግና ኣይርስዐክን እየ።
ነገስታት ከም መዕበይቲ ኣቦታትኪ፥ እተጌታቶም ድማ መጕዚታትኪ ክኾኑ እዮም፤ ብግምባሮም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ክሰግዱልኪ፥ በነንታ እግርኺውን ክልሕሱ እዮም። ንስኺ ኸዓ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ፥ ክትፈልጢ ኢኺ፤ እቶም ንኣይ ተኣማሚኖም ዝፅበዩኒ ድማ ኣይሓፍሩን።”
ኣነ ድማ ዝጓስየን ሓደ ጓሳ፥ ንዳዊት ባርያይ ከተስአለን እየ፤ ንሱ ኽጓስየን፥ ጓሳአን ድማ ክኸውን እዩ።
“ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፤ እቲ ሕያዋይ ጓሳ፥ ህይወቱ ቤዛ ኣባጊዑ ኣሕሊፉ ይህብ።
ሺሕ እኳ ብክርስቶስ ኣእላፋት መዕበይቲ እንተ ሃለዉኹም፥ ብዙሓት ኣቦታት የብልኩምን። ወንጌል ብምብሳር፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝወለድኩኹም ኣነ እየሞ።
ኣቱም ደቀይ፥ ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝቕረፅ፥ መሊሰ ንኣኻትኩም፥ ከም ሕማም ሕርሲ እፀዓር ኣለኹ።
ሰብ ንወዱ ኸም ዝሕንግሮ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትመፁ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ ኵሉ ዝኸድኩምዎ መንገዲ ኸም ዝሓንገረኩም ርኢኹም ኢኹም’ በልኩኹም።
እንተ ኾነ ኸምታ ነናእሽተይ ደቃ እትከናኸን እኖ፥ ኣብ ማእኸልኩም ርህሩሃት ነበርና።