11 ንእግዚኣብሄር ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ስለ ምንታይ ንኣይ ንባርያኻ ኣኽበድካለይ? ሸኽሚ እዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ ስለ ምንታይ ኣብ ርእሰይ ዘንበርካ? ስለ ምንታይከ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ዘይረኸብኩ?
ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ክብሎ እየ፤ ኣይትፍረደኒ፤ ብምንታይ ትዅንነኒ ኸም ዘለኻ ንገረኒ።
ሓጢኣት እንተ እትቈፃፀርስ፥ ኦ ጐይታ፥ መን ክቐውም ይኽእል?
ኵሉ ህያው ኣብ ቅድሜኻ ፃድቕ ኣይኮነንሞ፥ ምስ ባርያኻ ናብ ፍርዲ ኣይትእቶ።
ሙሴ ድማ “ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም እንታይ ክገብሮም እየ? ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትሉኒ ቑሩብ ተሪፍዎም ኣሎ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣእወየ።
ሙሴ ኸዓ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ፦ “ኦ ጐይታ! ነዝ ህዝቢ እዙይ ስለ ምንታይ ኣኽፋእኻሉ? ንኣይከ ስለ ምንታይ ነዙይ ክገብር ለኣኽካኒ?
ኣቲ ወላዲተይ፥ ንዅሉ ምድሪ ናይ ጐይቊን ክርክርን ክኸውን ወሊድክኒ ኢኺሞ ወይለይ! ንዝኾነ ኣየለቃሕኹን፥ ካብ ዝኾነውን ኣይተለቃሕኹን፤ ግና ዅሉ ሰብ ይረግመኒ ኣሎ።
ስለ ምንታይ ሕማመይ ፀንዐኒ? ስለ ምንታይከ ቝስለይ ዘይሓዊ ኾነ? ኸም መታለሊ ዓይኒ ማይ፥ ከምቲ ነፃፊ ማይዶ ኽትኮነኒ ኢኻ?” በልኩ።
ንስኻትኩም፦ ‘ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ከንቱ እዩ፤ ኵሉ ናቱ ትእዛዝ ምሕላው፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ሕዙናት ኴንና ምምልላስና፥ እንታይ ክረብሐና እዩ?’
ሙሴ ድማ፥ እቶም ህዝቢ በብዓሌቶም፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳኖም እንትበኽዩ ሰምዐ። ቍጥዓ እግዚአብሔር ከዓ የመና ነደደ፤ ሙሴውን ተቘጥዐ።
ከምዙይ እትገብረኒ ኻብ ኮንካ ነቲ መከራ ኸይርኢ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ በይዛኻ ቕተለኒ።”
ኣብ ርእሲ እዝ ዅሉ ኸዓ፥ እቲ ብዛዕባ ዅለን ኣብያተ ክርስቲያን ዘለኒ ሓልዮት፥ በብመዓልቱ የጨንቐኒ ኣሎ።
እቲ ድኻምኩምን ጐይቊኹምን እዝ ከቢድ ሸኽሚ ከመይ ገይረ በይነይ ክፆሮ?