9 ኣብ ምድሪኹም፥ ምስቲ ብግፍዒ ዝመፀኩም ፀላኢ ኽትዋግኡ እንተለኹም፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ መለኸት ንፍሑ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትዝከሩ ኢኹም፤ ካብ ፀላእትኹም ከዓ ክትድሕኑ ኢኩም።
እግዚኣብሄር ንኖህን ነቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ዅሎም ኣራዊትን ኵሎም እንስሳን ዘከረ። እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ንፋስ ኣንፈሰ፤ እቲ ማይ ከዓ ጐደለ።
እንሆ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌና ሓለቓ እዩ፤ እቶም መለኸት ዝነፍሑ ኻህናቱ ኣብ ልዕሌኹም ክነፍሑ ድማ ምሳና እዮም። ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ኣይትዋግኡ፥ ኣይቐንዐኩምን እዩ።”
ይሁዳ ግልፅ እንተ በሉ፥ እንሆ እቲ ሰራዊት ብድሕሪትን ብቕድሚትን ነበረ። ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ እቶም ካህናትውን መለኸት ነፍሑ።
ኦ ጐይታ፥ ንህዝብኻ ብሞገስ ዘክረና።
ፀላእቶምውን ኣሳቐይዎም፤ ኣብ ትሕቲ ኢዶም ከዓ ተዋረዱ።
ኣብ ጊዜ ውርደትና ዝዘከረና፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩ፥ ኣብ ምድሪ ሰፊርኩም ዘለኹም ኵልኻትኩምውን፥ ምልክት ኣብ እምባታት ልዕል ምስ በለ፥ ተመልከቱ፤ መለኸት እንትንፋሕውን ኣድምፁ።
“ብሓይሊ ዓው በል፤ ኣይትቘጥብ፤ ድምፅኻ ኸም መለኸት ዓው ኣብል፤ ንህዝበይ በደሎም፥ ንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም።
ኣምዑተይ! ኣምዑተይ! ልበይ የመና ሓሚሙ ኣሎ። ብውሽጠይውን ልበይ ተሃዊኹኒ እዩ። ኦ ነፍሰይ ድምፂ መለኸትን፥ ህማም ውግእን ትሰምዒ ኣለኺሞ፥ ስቕ ክብል ኣይክእልን እየ።
ክሳዕ መኣዝ እየ ዕላማኡ ዝርኢ፥ ድምፂ መለኸትውን ዝሰምዕ?
ኣብታ ሃገር መለኸት ንፍሑ ኢልኩም፥ ኣብ ይሁዳ ተናገሩ፥ ኣብ ኢየሩሳሌምውን ኣውጁ፤ ዓው ኢልኩም ድማ፥ “ተኣከቡ እሞ ናብተን ዕሩዳት ከተማታት ንእቶ” ኢልኩም ንገሩ።
ግና ኣብ ረባት ከተማ ደቂ ኣሞን ድምፂ ውግእ ዘስምዐሉ ጊዜ ይመፅእ ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሳ ኽትዓኑ እያ፤ እተን ኣዋልዳ ብሓዊ ኽቓፀላ እየን። ሽዑ እስራኤል ነቶም ወሪሶምዋ ዝነበሩ ኽትወርሶም እያ።
ኣቱም ደቂ ብንያም፥ መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ካብ ሰሜን ይመፅእ ኣሎ እሞ፥ ካብ ማእኸል ኢየሩሳሌም ህደሙ፤ ኣብ ቴቁሔ መለኸት ንፍሑ፤ ኣብ ርእሲ ቤት ሃካሪም ምልክት ኣልዕሉ።
ድምፂ መለኸት ስምዑ ኢለ ሓለውቲ ሸምኩልኩም፤ ንሳቶም ግና “ኣይንሰምዕን” በሉ።
መለኸት ተነፍሐ፤ ኵሉ ኸዓ ተዳለወ፤ ቍጥዓይ ግና ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ብዙሕ ህዝቦም ኣሎ እሞ፥ ናብ ውግእ ዝኸይድ ሓደ እኳ የለን።
ኣብ ጊብዓ ቀርኒ፥ ኣብ ራማ ኸዓ መለኸት ንፍሑሞ፤ ካብ ቤትኣዌን “ኣታ ብንያም፥ ብድሕሬኻ” ኢልኩም ኣእውዩ።
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ መዓልቲ ዕረፍቲ ይኹነልኩም። ብቓና መለኸት ጌርኩም ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ።
መለኸት ኣብ ከተማ እንትንፋሕኸ፥ ህዝብዶ ኣይድንግፅን እዩ? እግዚኣብሄር እንተይኣዘዘኸ፥ ንኸተማዶ ኽፉእ ይወርዳ እዩ?
ንተን ዕሩዳት ከተማታትን፥ ነዋሕቲ ግምብታትን፥ መዓልቲ መለኸትን ኣውያትን እያ።
ሙሴ ኸዓ ኻብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሸሽሕ ሰብ ወሲዱ ምስ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ናብ ውግእ ሰደዶም። ንፊንሃስ ኣቑሑ መቕደስን ምልክት ዝገብረሉ መለኸትን ኣብ ኢዱ ሃቦ።
መለኸትከ ዘይፍሉጥ ድምፂ እንተ ኣስምዐ፥ መን እዩ ንውግእ ዝስለፍ?
“ምስ ፀላእትኹም ክትዋግኡ ምስ ወፃእኹም፥ ኣፍራስን ሰረገላታትን ካባኻትኩም ዝበዝሕ ሰራዊትን እንተ ረአኹም፥ እቲ ኻብ ግብፂ ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም እዩ እሞ፥ ኣይትፍርሕዎም።
ቀርኒ መለኸት ብዘይ ምቍራፅ ኣንዊሖም ምስ ነፍሑ፥ እቲ ድምፂ መለኸት ምስ ሰማዕኹም፥ ኵሉ ህዝቢ ዓው ኢሉ ድምፂ የስምዕ። ቅፅሪ እታ ኸተማ ኸዓ ኽወድቕ እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ ነፍሲ ወከፍ በበቲ ዘለዎ ኽኣቱ እዩ” በሎ።
ንሳቶም ከዓ በታ ዓመት እቲኣ ንደቂ እስራኤል ኣጨነቑዎምን ኣሳቐይዎምን። ነቶም ኣብ ማዕዶ ፈለግ ዮርዳኖስ፥ ኣብታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ምድሪ ኣሞራውያን ንዝነብሩ ዅሎም ደቂ እስራኤል ድማ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ኣጨኒቖም ገዝእዎም።
እቶም ፀላእቶም ምስ ገፍዕዎምን ምስ ኣሳቐይዎምን ክቝዝሙ እንተለዉ እግዚኣብሄር ሰሚዑ ራህርሀሎም እሞ መራሕቲ ኣተስአሎም፤ እግዚኣብሄር በቲ መራሒ ገይሩ ብዅሉ ዘመን እቲ መራሒ ኻብ ኢድ ፀላእቶም የድሕኖም ነበረ።
ናብ ዓዱ ምስ ኣተወ፥ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ኮይኑ መለኸት ነፍሐ፤ ደቂ እስራኤል ድማ ናብኡ መፁ። መሪሕዎም ከዓ ኻብቲ ዀረብታታት ወረደ፤ ንሳቶምውን ደድሕሪኡ ሰዓቡ።
መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ጌዴዎን ወረደ። ንሱ መለኸት ነፊሑ ንኣቤዔዝራውያን ፀውዖም፤ ተኣኪቦም ከዓ ሰዓብዎ።
ካብ ኢድ ግብፃውያንን ካብ ኢድ ኵሎም ገፋዕትኹምን ኣድሓንኩኹም፤ ንኣኣቶም ካብ ቅድሜኹም ሰጒጐውን ምድሮም ሃብኩኹም።
ከምዙይ ከዓ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ‘ኣነ ኻብ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ካብ ኢድ ግብፃውያንን ካብ ኢድ ኵሎም ዘጨንቑኹም መንግስታትን ኣድሓንኩኹም’ ይብል ኣሎ።