8 “እቶም መለኸት ዝነፍሑ ካህናት ከዓ ደቂ ኣሮን እዮም። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ዘለኣለማዊ ሕጊ ይኹነልኩም።
ሰበኒያን ኢዮሳፋጥን ናትናኤልን ኣማሳይን ዘካርያስን በናያስን ኣልዓዛርን፥ እቶም ካህናት፥ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ዖቤድኤዶምን ይሒያምን ከዓ ሓለውቲ በሪ ታቦት ነበሩ።
እቶም ክልተ ኻህናት ከዓ በናያስን የሕዚኤልን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኮይኖም ኵልሻዕ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ።
ሙሴ ኸዓ ኻብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሸሽሕ ሰብ ወሲዱ ምስ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ናብ ውግእ ሰደዶም። ንፊንሃስ ኣቑሑ መቕደስን ምልክት ዝገብረሉ መለኸትን ኣብ ኢዱ ሃቦ።