6 ካልኣይ ልዕል ብዝበለ ድምፂ ክትነፍሑ እንተለኹም ከዓ፥ ብወገን ደቡብ ሰፊሮም ዘለዉ ይጐዓዙ። ንጕዕዞ መለኸት ይንፍሑ።
እቶም ኣብ ሰፈር ደቂ ሮቤል ዝነበሩ ሰራዊት ከዓ በብኽፍሎም ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም ብድሕሪኦም ተጕዓዙ፤ ሓለቓ ሰራዊት ድማ ኤሊሱር ወዲ ሰዲዮር ነበረ።
እዝ ህዝቢ ምእንቲ ኽእከብ መለኸት ንፍሑ፤ ግና ዓው ኣይተብልዎ።