5 መለኸት ብዓብዪ ድምፂ ክትነፍሑ እንተለኹም ድማ ብወገን ምብራቕ ሰፊሮም ዘለዉ ይለዓሉ።
“ብሓይሊ ዓው በል፤ ኣይትቘጥብ፤ ድምፅኻ ኸም መለኸት ዓው ኣብል፤ ንህዝበይ በደሎም፥ ንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም።
መዓልቲ እግዚኣብሄር ትመፅእ ኣላ፤ ቀሪባ ኸዓ እያ እሞ፥ ኣብ ፅዮን መለኸት ንፍሑ፤ ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ድማ ኣእውዩ፤ መዓልቲ እግዚኣብሄር መፂኣ እያሞ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ዅላቶም የንቀጥቅጡ።
እቶም ኣብ ሰፈር ደቂ ይሁዳ ዝነበሩ ሰራዊት በብኽፍሎም ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም ንቕድሚት ተጕዓዙ፤ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ ድማ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ።