36 እቲ ታቦት ክዓርፍ እንተሎ ኸዓ “ኦ እግዚኣብሄር! ናብቶም እልፊ ኣእላፋት ዝኾኑ እስራኤል ተመለስ” ይብል ነበረ።
ንሳቶም ድማ ንርብቃ፦ “ኣቲ ሓፍትና፥ እልፊ ኣእላፋት ፍረዪ፤ ዘርእኺ ድማ ደገ ፀላእቶም ይውረሱ” እናበሉ መረቕዋ።
ኦ ጐይታ፥ ንስኻን ታቦት መቕደስካን፥ ናብ ዕረፍትኻ ተስእ።
ኦ እግዚኣብሄር! ካብ መንገድኻ ኽነግልስ፥ ከይንፈርሐካ ኸዓ፥ ልብና ኽተርር ዝሓደግካና ስለ ምንታይ ኢኻ? ስለ ባሮትካ፥ ስለ ነገድ ርስትኻ ኢልካ ተመለስ።
ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ክሳዕ እትኾኑ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዚሑኩም ኣሎ።