35 ታቦት ክለዓል እንተሎ፥ ሙሴ “ኦ ጐይታ! ተስእ፤ ፀላእትኻ ኸዓ ፋሕ ይበሉ። እቶም ዝፀልኡኻ ድማ ኻብ ቅድሜኻ ይህደሙ” ይብል ነበረ።
ኦ ጐይታ፥ ንስኻን ታቦት መቕደስካን፥ ናብ ዕረፍትኻ ተስእ።
ምድሓን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፤ በረኸትካውን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ እዩ።
ኦ ጐይታ፥ ተስእ፤ ሰብ ኣይበርትዕ፤ ኣህዛብውን ኣብ ቅድሜኻ ይፈረዶም።
ምእንቲ ኽፉኣት ዝከራኸረኒ መን እዩ? ምእንቲ ዓመፀኛታትከ ዝቃወመኒ መን እዩ?
ኣታ ቕልፅም እግዚኣብሄር፥ ተልዓል፤ ተልዓል፤ ሓይልኻ ልበስ፤ ከምቲ ብዝሓለፉ ዘመናት፥ ብጥንቲ ትውልድታት ዝገበርካዮ፥ ተልዓል። ረዓብ ንዝበሃል ኣራዊት ዝቘረፅካዮ፥ ነቲ ዓብዪ ገበልውን ዝወጋእኻዮ፥ ንስኻዶ ኣይኮንካን?
ነቲ ዘንበልብል ሰይፈይ ምስ ሰሓልኩ፥ ፍርዲ ኸውፅእ ኸዓ ምስ ሓዝክዎ፥ ንተፃረርተይ ክብቀሎም እየ፤ ንዝፀልኡኒውን ሕነ ኽፈድዮም እየ።
ነቶም ዝፀልእዎ ንምጥፋእ ኣብ ቅድሚኣቶም ናይ ኢዶም ይፈድዮም፤ ንዝፀልእዎ እንተይደንጐየ ኣብ ቅድሚኡ ናይ ኢዶም ይፈድዮም።
እቶም ተዋጋእቲ ናብ ሰፈሮም ምስ ተመለሱ፥ እቶም ዓበይቲ እስራኤል፥ “ስለ ምንታይ ኮን እዩ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ከም እንሰዓር ዝገበረና? እምበኣር ኣብ ማእኸልና ኾይኑ ኻብ ኢድ ፀላእትና ምእንቲ ኸድሕነና፥ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ሴሎ ናባና ነምፅኣዮ” በሉ።